Genesis (28/50)  

1. ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፡ ፡ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡
2. ተንሲእካ ናብ ጳዳንኣራም ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ።
3. እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን።
4. እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዚሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሀብካ።
5. ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ ኣደ ያእቅብን ኤሳውን ከደ።
6. ኤሳው ከኣ ይስሃቅ ንያቆብ ከም ዝመረቖ እሞ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፡
7. ያእቆብ ድማ ነቡኡን ነዲኡን ሰሚዑ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝኸደ፡ ምስ ረኣየ።
8. ኤሳው ናብ እስማዒል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማዒል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዩት፡ ሰበይቲ ኣእተወ።
9. ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ።
10. ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ።
11. ጸሓይ ዐሪባ ነበረት እሞ፡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብ ኣእማን እታ ቦታ ወሲዱ ድማ፡ ትተተር ኢሰዋ፡ ኣብታ ቦታ ደቀሰ።
12. ሓለመ ኽኣ እሞ እንሆ መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ ርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቁሩ ኣንሆ ኸኣ መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡላን ይወርዱላን ነበሩ።
13. እንሆ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ በሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊእ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ።
14. ዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ኽኣ ብኣኻን ብዘርእኻን ኪባረኹ እዮም።
15. እንሆ ኽኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።
16. ያእቅብ ከኣ ካብ ደቃሱ ተበራበረ እሞ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ፡ በለ።
17. ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነትን፡ እዚኣ ኽኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ።
18. ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣባ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቑሞ፡ ኣብ ርእሱ ኽኣ ዘይቲ ኸዐወሉ።
19. ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤትኤል ኣውጽኣላ፡ ቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሀል ነበረ።
20. ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጺዔ፡ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ሓለወኒ ዝበልዖ እንጌራን ዝኸደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ተመላለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን።
21. እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።
22. እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።

  Genesis (28/50)