← Genesis (28/50) → |
1. | ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፡ ፡ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ |
2. | ተንሲእካ ናብ ጳዳንኣራም ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ። |
3. | እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን። |
4. | እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዚሃቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሀብካ። |
5. | ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ ሓው ርብቃ ኣደ ያእቅብን ኤሳውን ከደ። |
6. | ኤሳው ከኣ ይስሃቅ ንያቆብ ከም ዝመረቖ እሞ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፡ |
7. | ያእቆብ ድማ ነቡኡን ነዲኡን ሰሚዑ ናብ ጳዳንኣራም ከም ዝኸደ፡ ምስ ረኣየ። |
8. | ኤሳው ናብ እስማዒል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማዒል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዩት፡ ሰበይቲ ኣእተወ። |
9. | ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ። |
10. | ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤርሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ። |
11. | ጸሓይ ዐሪባ ነበረት እሞ፡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሔ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብ ኣእማን እታ ቦታ ወሲዱ ድማ፡ ትተተር ኢሰዋ፡ ኣብታ ቦታ ደቀሰ። |
12. | ሓለመ ኽኣ እሞ እንሆ መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ ርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቁሩ ኣንሆ ኸኣ መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡላን ይወርዱላን ነበሩ። |
13. | እንሆ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ በሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊእ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ። |
14. | ዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኩሎም ዓሌታት ምድሪ ኽኣ ብኣኻን ብዘርእኻን ኪባረኹ እዮም። |
15. | እንሆ ኽኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ኹሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ። |
16. | ያእቅብ ከኣ ካብ ደቃሱ ተበራበረ እሞ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ፡ በለ። |
17. | ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነትን፡ እዚኣ ኽኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ። |
18. | ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ነቲ ኣባ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ኪኸውን ኣቑሞ፡ ኣብ ርእሱ ኽኣ ዘይቲ ኸዐወሉ። |
19. | ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤትኤል ኣውጽኣላ፡ ቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሀል ነበረ። |
20. | ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጺዔ፡ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ሓለወኒ ዝበልዖ እንጌራን ዝኸደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ተመላለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። |
21. | እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ። |
22. | እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቑመዮ ዘለኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ኪኸውን እየ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ኹሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ። |
← Genesis (28/50) → |