| ← Genesis (27/50) → | 
| 1. | ኮነ ድማ፡ ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣና፡ ንኤሳው ነቲ ዓብዩ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይ በሎ። ንሱ ኽኣ እኔኹ በሎ። | 
| 2. | ሽዑ ንሱ፡ እንሆ ሕጂ ኣሪገ እየ መዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ። | 
| 3. | ሕጂ በጃኻ መሳርያኻ፡ ጎልድባኻን ቀስትኻን ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካ፡ ሀዲንካ ኣምጽኣለይ፡ | 
| 4. | ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፡ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ በለ። | 
| 5. | ርብቃ ኽኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔት። ኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ። | 
| 6. | ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። | 
| 7. | ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ። | 
| 8. | ሕጂ ድማ ወደየ ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቃለይ ስማዕ። | 
| 9. | ናብተን መጓሰ ኬድካ፡ ካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሕሰእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ። | 
| 10. | ንሱ ድማ በሊዑ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ነቦኻ ኽተእትወሉ። | 
| 11. | ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ ሓወት ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ። | 
| 12. | ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ኣረምሰሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ መርገም ኤምጽእ እምበር ምርቓስ፡ ኣይኮነን በለ። | 
| 13. | ኣዲኡ ድማ፡ ወደይ፡ መርገምስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕ ኬድካ ኣምጽኣለይ በለቶ። | 
| 14. | ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ነዲኡውን ኣምጽኣላ፡ ኣዲኡ ኽኣ ኣቡኡ ዚፈትዎ፡ ጥዑም ብልዒ ኣዳለወት። | 
| 15. | ርብቃ፡ ድማ እቲ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓቡዩ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ከደነቶ። | 
| 16. | ኣብ ኣእዳውን ኣብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቖርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ። | 
| 17. | እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ። | 
| 18. | ንሱ ኽኣ ናብ እቡኡ ኣትዩ፡ ኣቦየ በሎ። ንሱ ድማ እኔኹ ወደይ መን ኢኻ ንስኻ በለ። | 
| 19. | ያእቆብ ከኣ ነቡኦ፡ ኣነ ኤሳው በኹርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ እሞ ነፍስኻ ምስእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንሲእካ ኾታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነት ድማ ብላዕ በሎ። | 
| 20. | ይስሃቅ ከኣ ንወዱ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይ፡ በለ። | 
| 21. | ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ወደይ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ኾንካ ወይ እንተ ዘይኾንካ ኽረምስሰካስ ቅረብ በሎ። | 
| 22. | ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ቀረበ። ኣረምሲሱ ኽኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፡ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው በለ። | 
| 23. | ንሱ ድማ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓው ጸጋራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮን መረቖ ክኣ። | 
| 24. | ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ ድማ በሎ። ንሱ ኽኣ፡ ኣነ እየ በለ። | 
| 25. | ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ ካብቲ ሃደን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ ድማ በለ። ኣቕረበሉ በልዔ ድማ፡ ወይኒውን ሀቦ እሞ ሰተየ። | 
| 26. | ኣቡኡ ይስሃቅ ድማ ወደይ ቀሪብካባ ስዐመኒ በሎ። | 
| 27. | ቀሪቡ ሸዐሞ ጨና ኽዳኑ እጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ። እንሆ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኸ ግራት እዩ። | 
| 28. | ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካ። | 
| 29. | ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፡ ዝምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን። | 
| 30. | ኮነ ኸኣ ይስሃቅ ንያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኣብኡ ውጽእ ምስ በለ፡ ኤሳው ሓው ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ። | 
| 31. | ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኣኡ ኣምጽኦ፡ ነቡኡ ድማ ኣቦየ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ ተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕ በሎ። | 
| 32. | ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ ንስኻ መን ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኤሳው በኹሪ ወድኻ እየ በለ። | 
| 33. | ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምባደ እሞ እቲ ህዲነስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኽኣ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ ካብ ኩሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፡ ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ በለ። | 
| 34. | ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረ፡ ነቡኡ ኸኣ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ በሎ። | 
| 35. | ንሱ ድማ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኮል መጺኡ ወሲድዎ በለ። | 
| 36. | ኤሳው ከኣ፡ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒ፡ ብኹርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኽኣ እንሆ፡ ምርቓይ ወሰድ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኮነን፡ ንኣይትረፍካለይን ኢኻ፡ ድማ በሎ። | 
| 37. | ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳው እንሆ ጐይታኻ ገብርክዎ ኩሎም ኣሕዋቱ ኽኣ ግዙኣቱ ኪኾኑ ሀብክዎ፡ ብስርናይን ወይንን ከኣ ኣጸጎኽዎ፡ ሕጂ እሞ ወደይ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ በሎ። | 
| 38. | ኤሳው ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ኾይና ዘላትካ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። | 
| 39. | ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ይኸውን እዩ። | 
| 40. | ብሴፍካ ኽትምገብ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ ኮለል ምስ በልካ፡ ኣርዑቱ ካብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ። | 
| 41. | ኤሳው ድማ ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝህቦ ምርቓ ንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡ ነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ በለ። | 
| 42. | ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዩ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓ፡ እንሆ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኺቐትለካ ይደሊ ኣሎ። | 
| 43. | ሕጂ ኽኣ ወደይ፡ ቃለይ ስማዕ፡ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን ናብ ካራን ህደም። | 
| 44. | ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ። | 
| 45. | ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ። | 
| 46. | ርብቃ ክኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ኾይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት ኣነብር በለቶ። | 
| ← Genesis (27/50) → |