Genesis (27/50)  

1. ኮነ ድማ፡ ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣና፡ ንኤሳው ነቲ ዓብዩ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይ በሎ። ንሱ ኽኣ እኔኹ በሎ።
2. ሽዑ ንሱ፡ እንሆ ሕጂ ኣሪገ እየ መዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ።
3. ሕጂ በጃኻ መሳርያኻ፡ ጎልድባኻን ቀስትኻን ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካ፡ ሀዲንካ ኣምጽኣለይ፡
4. ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፡ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ በለ።
5. ርብቃ ኽኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ኪዛረቦ ኸሎ ሰምዔት። ኤሳው ድማ ሀዲኑ ኼምጽእ ናብ መሮር ወፈረ።
6. ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
7. ርብቃ ኽኣ ንወዳ ያቕቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በልዔ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሀዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዔዮ ኣሎኹ።
8. ሕጂ ድማ ወደየ ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቃለይ ስማዕ።
9. ናብተን መጓሰ ኬድካ፡ ካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሕሰእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዚፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ።
10. ንሱ ድማ በሊዑ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኺምርቐካስ፡ ነቦኻ ኽተእትወሉ።
11. ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ ሓወት ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ።
12. ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ኣረምሰሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ መርገም ኤምጽእ እምበር ምርቓስ፡ ኣይኮነን በለ።
13. ኣዲኡ ድማ፡ ወደይ፡ መርገምስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕ ኬድካ ኣምጽኣለይ በለቶ።
14. ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ነዲኡውን ኣምጽኣላ፡ ኣዲኡ ኽኣ ኣቡኡ ዚፈትዎ፡ ጥዑም ብልዒ ኣዳለወት።
15. ርብቃ፡ ድማ እቲ ምስኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓቡዩ ወዳ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ከደነቶ።
16. ኣብ ኣእዳውን ኣብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቖርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ።
17. እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሀበቶ።
18. ንሱ ኽኣ ናብ እቡኡ ኣትዩ፡ ኣቦየ በሎ። ንሱ ድማ እኔኹ ወደይ መን ኢኻ ንስኻ በለ።
19. ያእቆብ ከኣ ነቡኦ፡ ኣነ ኤሳው በኹርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣለኹ እሞ ነፍስኻ ምስእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንሲእካ ኾታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነት ድማ ብላዕ በሎ።
20. ይስሃቅ ከኣ ንወዱ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይ፡ በለ።
21. ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ወደይ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ኾንካ ወይ እንተ ዘይኾንካ ኽረምስሰካስ ቅረብ በሎ።
22. ያእቆብ ድማ ናብ ኣቡኡ ይስሃቅ ቀረበ። ኣረምሲሱ ኽኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፡ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው በለ።
23. ንሱ ድማ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓው ጸጋራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮን መረቖ ክኣ።
24. ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ ድማ በሎ። ንሱ ኽኣ፡ ኣነ እየ በለ።
25. ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ ካብቲ ሃደን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ ድማ በለ። ኣቕረበሉ በልዔ ድማ፡ ወይኒውን ሀቦ እሞ ሰተየ።
26. ኣቡኡ ይስሃቅ ድማ ወደይ ቀሪብካባ ስዐመኒ በሎ።
27. ቀሪቡ ሸዐሞ ጨና ኽዳኑ እጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ። እንሆ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኸ ግራት እዩ።
28. ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሀብካ።
29. ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፡ ዝምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን።
30. ኮነ ኸኣ ይስሃቅ ንያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኣብኡ ውጽእ ምስ በለ፡ ኤሳው ሓው ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ።
31. ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኣኡ ኣምጽኦ፡ ነቡኡ ድማ ኣቦየ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ ተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕ በሎ።
32. ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ ንስኻ መን ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ ኣነ ኤሳው በኹሪ ወድኻ እየ በለ።
33. ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምባደ እሞ እቲ ህዲነስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኽኣ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ ካብ ኩሉ በሊዔ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፡ ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ በለ።
34. ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዔ ኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዐረ፡ ነቡኡ ኸኣ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ በሎ።
35. ንሱ ድማ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኮል መጺኡ ወሲድዎ በለ።
36. ኤሳው ከኣ፡ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒ፡ ብኹርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኽኣ እንሆ፡ ምርቓይ ወሰድ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኮነን፡ ንኣይትረፍካለይን ኢኻ፡ ድማ በሎ።
37. ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳው እንሆ ጐይታኻ ገብርክዎ ኩሎም ኣሕዋቱ ኽኣ ግዙኣቱ ኪኾኑ ሀብክዎ፡ ብስርናይን ወይንን ከኣ ኣጸጎኽዎ፡ ሕጂ እሞ ወደይ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ በሎ።
38. ኤሳው ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ኾይና ዘላትካ ኣቦየ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።
39. ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ይኸውን እዩ።
40. ብሴፍካ ኽትምገብ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ። ኪኸውን ከኣ እዩ ኮለል ምስ በልካ፡ ኣርዑቱ ካብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።
41. ኤሳው ድማ ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝህቦ ምርቓ ንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡ ነቦይ እንሐዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ በለ።
42. ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዩ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓ፡ እንሆ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኺድበስ ኢሉ ኺቐትለካ ይደሊ ኣሎ።
43. ሕጂ ኽኣ ወደይ፡ ቃለይ ስማዕ፡ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን ናብ ካራን ህደም።
44. ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ።
45. ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዚምለስ ኩራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገብረካዮ ድማ ክሳዕ ዘርስዖ ገለ መዓልታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጻኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝሰእነኩም በለቶ።
46. ርብቃ ክኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዜእቱ እንተ ኾይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት ኣነብር በለቶ።

  Genesis (27/50)