Genesis (25/50)  

1. ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቁጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ።
2. ንሳ ኽኣ ንዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ።
3. ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሺሪምን ለጢሹምን ለኡሚምን እዮም።
4. ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም።እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ቁጡራ እዮም።
5. ኣብርሃም ድማ ኩሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሀቦ።
6. ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ቢሁ፡ ገና ብህይወት ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም።
7. ኣብርሃም ዝነበሮ ዘበን ዓመታት ሕይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት።
8. ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን ናብ ህዝቡ ኽኣ ተኣከበ።
9. ደቂ ይስሃቅን እስማዔልን ድማ ኣብታ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ።
10. ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሸየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱን ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ።
11. ኮነ ድማ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤርላሃይሮይ ይቕመጥ ነበረ።
12. ወለዶ እስማዔል ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡
13. ስማት ደቂ እስማዔል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በኹሪ ወዲ እስማዔል ነባዩት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡
14. ሚሽማዕን ዱማን ማሳን፡
15. ሓዳርን ቴማን፡ የጡር፡ ናፍሽ፡ ቄድማ ኸኣ።
16. እዚኣቶም ደቂ እስማዒል እዮም። እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶም፡ በብሰፈሮም፡ ዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦምን።
17. ዓመታት ህይወት እስማዒል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ትንፋሱ ወጸት ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ።
18. ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኩሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።
19. ወለዶ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ድማ እዚ እዩ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡
20. ይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳንኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
21. ይስሃቅ ድማ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ ምእንትኣ ንእግዚኣሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ስበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት።
22. እቶም ቖልዑ ኽኣ ኣብ ማሕጸና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ ከምዚ ኻብ ኮነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር ኣሎኹ በለት።
23. እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኽፈላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዩ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ።
24. ክትወልድ ኣዋርሕ ምስ በጽሔ ድማ እንሆ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ።
25. እቲ ቐድም ዝወጸ ቐይሕ ኩሉንትንኡ ኽኣ ጸጉሪ ማቕ ዝመስል ነበረ። ስሙ ኽኣ ኤሳው ኣውጽኣትሉ።
26. ድሕሪዚ ድማ ሓው ወጸ፡ ኢዱ ከ ኹርኹሪ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልደሎም ከላ ኽኣ፡ ይስሃቅ ወሲ ሰሳ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
27. እቶም ቖልዑ ድማ ዐበዩ፡ ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኮነ። ያቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኮነ።
28. ይስሃቅ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት።
29. ያእቆብ ጸብሒ ኽሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ኣተወ።
30. ሽዑ ኤሳው ንያእቆብ ደኺመ እየ እሞ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ በሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ።
31. ያእቆብ ከኣ ሎሙ ብኹርናኻ ሽጠለይ በሎ።
32. ኤሳው ድማ እንሆ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ፡ እዛ ብኹርናኸ ንምንታየይ እያ፡ በለ።
33. ያእቆብ ከኣ” ሎሚ ምሓለለይ፡ በለ እሞ መሓለሉ፡ ብኹርንኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ።
34. ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ብኹርንኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ።

  Genesis (25/50)