← Genesis (25/50) → |
1. | ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቁጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። |
2. | ንሳ ኽኣ ንዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ። |
3. | ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሺሪምን ለጢሹምን ለኡሚምን እዮም። |
4. | ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም።እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ቁጡራ እዮም። |
5. | ኣብርሃም ድማ ኩሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሀቦ። |
6. | ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ቢሁ፡ ገና ብህይወት ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም። |
7. | ኣብርሃም ዝነበሮ ዘበን ዓመታት ሕይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት። |
8. | ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን ናብ ህዝቡ ኽኣ ተኣከበ። |
9. | ደቂ ይስሃቅን እስማዔልን ድማ ኣብታ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማክጴላ ቐበርዎ። |
10. | ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሸየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱን ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ። |
11. | ኮነ ድማ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤርላሃይሮይ ይቕመጥ ነበረ። |
12. | ወለዶ እስማዔል ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡ |
13. | ስማት ደቂ እስማዔል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በኹሪ ወዲ እስማዔል ነባዩት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ |
14. | ሚሽማዕን ዱማን ማሳን፡ |
15. | ሓዳርን ቴማን፡ የጡር፡ ናፍሽ፡ ቄድማ ኸኣ። |
16. | እዚኣቶም ደቂ እስማዒል እዮም። እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶም፡ በብሰፈሮም፡ ዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦምን። |
17. | ዓመታት ህይወት እስማዒል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኮነ። ትንፋሱ ወጸት ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ። |
18. | ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኩሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ። |
19. | ወለዶ ይስሃቅ ወዲ ኣብርሃም ድማ እዚ እዩ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ |
20. | ይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳንኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ ንሰበይቱ ኼእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኮይኑ ነበረ። |
21. | ይስሃቅ ድማ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ ምእንትኣ ንእግዚኣሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ስበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። |
22. | እቶም ቖልዑ ኽኣ ኣብ ማሕጸና ይደፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ ከምዚ ኻብ ኮነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር ኣሎኹ በለት። |
23. | እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኽፈላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኺብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዩ ነቲ ንእሽቶ ኺግዛእ እዩ። |
24. | ክትወልድ ኣዋርሕ ምስ በጽሔ ድማ እንሆ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። |
25. | እቲ ቐድም ዝወጸ ቐይሕ ኩሉንትንኡ ኽኣ ጸጉሪ ማቕ ዝመስል ነበረ። ስሙ ኽኣ ኤሳው ኣውጽኣትሉ። |
26. | ድሕሪዚ ድማ ሓው ወጸ፡ ኢዱ ከ ኹርኹሪ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልደሎም ከላ ኽኣ፡ ይስሃቅ ወሲ ሰሳ ዓመት ኮይኑ ነበረ። |
27. | እቶም ቖልዑ ድማ ዐበዩ፡ ኤሳው ሃድን ዚፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኮነ። ያቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዚነብር ህዱእ ሰብኣይ ኮነ። |
28. | ይስሃቅ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት። |
29. | ያእቆብ ጸብሒ ኽሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ኣተወ። |
30. | ሽዑ ኤሳው ንያእቆብ ደኺመ እየ እሞ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ በሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ። |
31. | ያእቆብ ከኣ ሎሙ ብኹርናኻ ሽጠለይ በሎ። |
32. | ኤሳው ድማ እንሆ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ፡ እዛ ብኹርናኸ ንምንታየይ እያ፡ በለ። |
33. | ያእቆብ ከኣ” ሎሚ ምሓለለይ፡ በለ እሞ መሓለሉ፡ ብኹርንኡውን ንያእቆብ ሸጠሉ። |
34. | ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሀቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስኤ ከደውን። ኤሳው ብኹርንኡ ኸምዚ ገይሩ ነዐቓ። |
← Genesis (25/50) → |