Genesis (24/50)  

1. ኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብኹሉ ባሪኽዎ ነበረ።
2. ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኩሉ ገንዘቡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ስለፈይ ኣንብር።
3. ካብ ኣዋልድ እዞም ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከንኣናውያን፡ ንወደይ ስበየቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኤምሕለካ ኣሎኹ።
4. ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ በሎ።
5. እቲ ግዙእ ከኣ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዝይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻኣካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ በሎ።
6. ኣብርሃም ድማ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ።
7. እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተውለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ፡ ንሱ ኻኣ እዛ ምድሪ እዚ ንዘርእኻ ክህባ እየ ኢሉ ተዛረበንን፡ ዝመሓለለይን ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኺልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።
8. እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ክትስዕብ እንተዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለስ በሎ።
9. እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጎይትኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኽኣ መሓለሉ።
10. እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጎይትኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኩሉ ዘዝጸበቀ ዘበለ ናይ ጎይትኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማናብ መስጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ።
11. ኣጋ ምሸት በታ ማይ ኪቐድሓላ ዚወጻላ ጊዜ ኽኣ ኣብ ወጻኢ ኽተመኣ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኻን።
12. በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ኾታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር።
13. እንሆ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ከኣ ማይ ኪቐድሓ ይወጻ ኣለዋ።
14. ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኽኣ፡ ስተ ነግማልካውን ኣስትየን ኣየ ኣትብለኒ ፡ ንሳ ንይስሃቕ ባርያኻ ዝመጸብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገብርካሉ ኽኣ በዚ እፈልት።
15. ኮነ ኽኣ ገና ዘረባኡ ኸይወድኤ፡ እንሃ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ናሆር ሓው ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት።
16. እታ ጓል ድማ ትራኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኽኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት።
17. እቲ ግዙእ ድማ ጎይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኮታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ በለ።
18. ንሳ ኽኣ ጐይታይ፡ ስተ ኢላ፡ ቕልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ።
19. ምስ ኣስተየቶ ድማ ነግማልካውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪስትያ ክቐድሓለን እየ በለት።
20. ቀልጢፋ ኽኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጎየየት፡ ንኹለን ኣግማሉ ኽኣ ቀድሓትለን።
21. እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ኾነ ወይስ እንተዘይኮነ ኪፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኩሩ ይጥምታ ነበረ።
22. ኮነ ኽኣ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ እቲ ሰብኣይ ፈራቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽኤ።
23. ጓል መን ኢኺ፡ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፡ ድማ በለ።
24. ንሳ ኽኣ ኣነ ጓል ቤቴኤል ወዲ ሚልካ ንሆር ዝወልደትሉ እየ በለቶ።
25. መሊሳ ኽኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ደርቋን ንመሕደሪ ኽኣ ስፍራ ኣሎና በለቶ።
26. እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
27. በለ ኽኣ፡ እቲ ምሕረቱን፡ እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመንገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ ይመርሓኒ።
28. እታ ጓል ክኣ ጎይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት።
29. ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጎየየ።
30. ኮነ ኽኣ ነቲ ቀሌቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዔ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ እንሆ ኽኣ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ።
31. እታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል ቤት ኣዳልየልካ ኣሎኹ፡ ነግማል ኽኣ ሰፈር እቶ በሎ።
32. ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሀበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሀቦም። መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና ጎዳየይ ከየነገርኩስ ኣይበልዕን በለ። ንሱ ኽኣ ተዛረብ በሎ።
33. ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ።
34. ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ።
35. እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዚሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላውን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ ኣሎ።
36. ሳራ፡ ስበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኽኣ ዘለዎ ኹሉ ሂብዎ ኣሎ።
37. ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከንኣናውያን ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጻኣሉ።
38. ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።
39. ሽዑ ኽኣ ኣነ ንጐይታይ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፡ በልክዎ።
40. ንሱ ድማ በለኒ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማለለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መንገድኻ ኬቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ።
41. ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሀቡኻ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ክትከውን ኢኻ።
42. ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺኤ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘለኹ መገዲ ተቐንዓለይ እንተ ዃንካስ
43. እንሆ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ ማይ ክትቀድሕ እትመጽእ ጓል፡ ኣነ ኽኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ኾታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ።
44. ንሳ ድማ፡ ስተ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ስበይቲ ትኹን።
45. ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኮባ ጾይራ፡ ወጸት ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሔት። ኣነ ኽኣ፡ ኣስትይኒ ኾታ በልክዋ።
46. ወልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኮባ ኣውሪዳ ስተ ኣግማልካውን ከስትየን እየ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን።
47. ኣነ ኽኣ፡ ኣቲ ጓል መን ኢኺ፡ ኢለ ሓተትክዋ ንሳ ኽኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካዝወልደትሉ እየ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ከኣ ኣብ ኣእዳው ገብርኩላ።
48. ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ መርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ።
49. ሕጂ ኽኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብረሉ እንተ ዃንኩም፡ ንገሩኒ። እንተ ዘይኮነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ ንገሩኒ።
50. ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ። ክፋእ ሐደው ጽቡቕ ክንዛረበካ እይንኻልን።
51. እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ።። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለስሉ።
52. ኮነ ኽኣ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረብኦም ምስ ሰምዔ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ንእግዚኣብሄር ሰገደ።
53. ድሕሪዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሀባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሀቦም።
54. ንሱን እቶም ምስኡ ዝነብሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኽኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንወኑ፡ በለ።
55. ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ በልዎ።
56. ንሱ ኻኣ ኣይተደናጉዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ በሎም።
57. ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሓታት፡ ክኣ በሉ።
58. ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ በለዋ። ንሳ ድማ እኸይድ በለት።
59. ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን ንመጉዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም።
60. ንሳቶም ርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ።
61. ርብቃ ኽኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሔን ነቲ ሰብኣይ ሰዐባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ።
62. ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤርላሓይሮይ ይመጽእ ነበረ።
63. ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኮይኑ ብሓሳቡ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኽኣ ቋሕ ኣበለ። እንሆ ኣግማል ኪመጻ ረኣኣየ።
64. ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛ ኣቢላ ንይስሃቅ ምስ ረኣኣየቶ፡ ቀልጢፉ ኻብ ገመል ወረደት።
65. ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዝለኦ እንታዋይ ሰብኣይ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ በለ። ሽዑ መጎልበቢኣ ወሲዳ ተጎልበበት።
66. እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ኹሉ ነግር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ።
67. ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ኾነት፡ ፈተዋውን፡ ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ።

  Genesis (24/50)