| ← Genesis (23/50) → |
| 1. | ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኮነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ። |
| 2. | ሳራ ኣብ ቂርያት ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞተት። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሕዝነላ ኪበኽየላን መጸ። |
| 3. | ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውታቱ ተንስኤ፡ ንደቂ ሔት ድማ። |
| 4. | ኣነ ኣብ ማእከሎም ጋሻን መጻእተኛን ኣየ። ነዛ ምውትተይ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሃቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም። |
| 5. | ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡ |
| 6. | ጐይታይ ስማዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናብ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሓሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኽልኣካ የልቦን፡ ኢሎም ምለስሉ ። |
| 7. | ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገር፡ ንደቂ ሔት ሰገደሎም። |
| 8. | ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ። |
| 9. | ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ። |
| 10. | ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ ኣብ ኩሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝኣትው ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም። |
| 11. | ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ስምዓና ድኣ፡ እታ ግራት እህበካ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካ ደቂ ህዝበይ እናረኣኣዩ እህበካ ኣሎኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ። |
| 12. | ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ እንተ ትሰምዓኒ ኾታ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብር ኢሉ ተዛረቦ። |
| 13. | ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ |
| 14. | ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ |
| 15. | ጐይታይ ስምዓኒ ደኣ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃ ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፡ ምውትኻ ግዳ ቕበር ኢሉ መለሰሉ። |
| 16. | ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዚተሓላለፍ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ። |
| 17. | በዚ ኸምዚ ኽኣ እታ ኣብ ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን፡ |
| 18. | ደቂ ሔት እናረኣዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚኣትው ኹሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኮይኑ ቖመ። |
| 19. | ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ በዓቲ ግራት ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኽኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ቀበራ። |
| 20. | እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ቖመት። |
| ← Genesis (23/50) → |