Genesis (23/50)  

1. ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኮነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ።
2. ሳራ ኣብ ቂርያት ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞተት። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኺሕዝነላ ኪበኽየላን መጸ።
3. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውታቱ ተንስኤ፡ ንደቂ ሔት ድማ።
4. ኣነ ኣብ ማእከሎም ጋሻን መጻእተኛን ኣየ። ነዛ ምውትተይ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሃቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
5. ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፡
6. ጐይታይ ስማዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናብ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሓሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዚኽልኣካ የልቦን፡ ኢሎም ምለስሉ ።
7. ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገር፡ ንደቂ ሔት ሰገደሎም።
8. ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ።
9. ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ኻንንኩምሲ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጸሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ክህበኒ ለሙኑለይ ኢሉ ተዛረቦ።
10. ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን እቲ ሔታዊ ድማ ኣብ ኩሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝኣትው ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም።
11. ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ስምዓና ድኣ፡ እታ ግራት እህበካ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካ ደቂ ህዝበይ እናረኣኣዩ እህበካ ኣሎኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ።
12. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ እንተ ትሰምዓኒ ኾታ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብር ኢሉ ተዛረቦ።
13. ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡
14. ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡
15. ጐይታይ ስምዓኒ ደኣ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃ ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፡ ምውትኻ ግዳ ቕበር ኢሉ መለሰሉ።
16. ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን ደቂ ሔት እናሰምዑ እተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዚተሓላለፍ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ።
17. በዚ ኸምዚ ኽኣ እታ ኣብ ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን፡
18. ደቂ ሔት እናረኣዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዚኣትው ኹሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኮይኑ ቖመ።
19. ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ በዓቲ ግራት ማክጴላ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኽኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ቀበራ።
20. እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኮይና ቖመት።

  Genesis (23/50)