Genesis (22/50)  

1. ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ኾነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም፡ ንሱ ኽኣ እኔኹ በለ።
2. እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰዶ እሞ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰኣዮ በለ።
3. ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣድጉ ጸዒኑ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ።
4. ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሪ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ።
5. ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን ወደን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ በሎም።
6. ኣብርሃም ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
7. ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም ኣቦየ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ እኔኹ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ ሓውን ዕንጨይትንሲ እንሆ እቲ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፡ በሎ።
8. ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዩ እዩ፡ በለ። ክልጢኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
9. ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕንጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቶ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ።
10. ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ ኢዱ ዘርጊሐ ካራ ወሰደ፡
11. መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን እኔኹ በለ።
12. ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለውን ኣይትግበሮ፡ በለ፡
13. ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ ኣንሆ ኽኣ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ ኣተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኦ።
14. ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ።
15. መልኣኽ እግዛኢብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸው፡
16. ብርእሰይ መሓልኩ ይብል እግዚኣብሄር፡ እኒ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን፡ ካብ ዘይትኸልእ።
17. ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኽወርስ እዩ።
18. ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም በሎ።
19. ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳብ ናብ ብኤርሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤርሸባዕ ተቐመጠ።
20. ኮነ ኽኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም እንሆ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ ኢሎም ነግርዎ።
21. ዑጽ እቲ በኹሩ ሓው ድማ ቡዝ ቔሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም።
22. ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን።
23. ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር ፡ ሓው ኣብርሃም ወልደትሉ።
24. ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሕእሽኝ መዓካን ወልደት።

  Genesis (22/50)