| ← Genesis (22/50) → |
| 1. | ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ኾነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም፡ ንሱ ኽኣ እኔኹ በለ። |
| 2. | እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰዶ እሞ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መስዋእቲ ሰኣዮ በለ። |
| 3. | ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣድጉ ጸዒኑ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። |
| 4. | ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሪ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረኣያ። |
| 5. | ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን ወደን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ በሎም። |
| 6. | ኣብርሃም ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። |
| 7. | ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም ኣቦየ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ እኔኹ ወደይ በሎ። ንሱ ድማ ሓውን ዕንጨይትንሲ እንሆ እቲ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፡ በሎ። |
| 8. | ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዩ እዩ፡ በለ። ክልጢኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። |
| 9. | ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሔ፡ ዕንጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቶ ዕንጨይቲ በጥ ኣበሎ። |
| 10. | ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኺሓርድ ኢዱ ዘርጊሐ ካራ ወሰደ፡ |
| 11. | መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን እኔኹ በለ። |
| 12. | ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለውን ኣይትግበሮ፡ በለ፡ |
| 13. | ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ ኣንሆ ኽኣ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ ኣተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። |
| 14. | ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዚብሀል ዘሎ እዩ። |
| 15. | መልኣኽ እግዛኢብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸው፡ |
| 16. | ብርእሰይ መሓልኩ ይብል እግዚኣብሄር፡ እኒ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካውን፡ ካብ ዘይትኸልእ። |
| 17. | ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኽወርስ እዩ። |
| 18. | ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኩላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም በሎ። |
| 19. | ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳብ ናብ ብኤርሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤርሸባዕ ተቐመጠ። |
| 20. | ኮነ ኽኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም እንሆ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ ኢሎም ነግርዎ። |
| 21. | ዑጽ እቲ በኹሩ ሓው ድማ ቡዝ ቔሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም። |
| 22. | ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን። |
| 23. | ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር ፡ ሓው ኣብርሃም ወልደትሉ። |
| 24. | ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሕእሽኝ መዓካን ወልደት። |
| ← Genesis (22/50) → |