| ← Genesis (21/50) → |
| 1. | እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ። |
| 2. | ሳራ ድማ ጠነሰት በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ። |
| 3. | ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ ስሙ ይስሓቅ ኣውጽኣሉ። |
| 4. | ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቕ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ወሲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኮነ ገዘሮ። |
| 5. | ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ንበረ። |
| 6. | ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሓቕ በለት። |
| 7. | ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቖልዓ ተጥቡ ሽም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ ድማ በለት። |
| 8. | እቲ ቖልዓ ኸኣ ዐብየ፡ ጡብውን ሃደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዩ ምሳሕ ገበረ። |
| 9. | ሳራ ድማ እቲ ኣጋር ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረኣየት። |
| 10. | ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ምስ ይስሃቅ ኣይኪወርስን ኣዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም በለቶ። |
| 11. | እዚ ነገርዚ ኽኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፋእ ኮይኑ ተራእዮ። |
| 12. | ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፋእ ኮይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዘጽውዓልካ እሞ ብኹሉ ንሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ። |
| 13. | ንወዲ እዛ ባያ ድማ ዘርእኻ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኽገብሮ እየ በል። |
| 14. | ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሃባ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቖልዓውን ሂቡ ሰዳዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤርሸባዕ ኮብለል ትብል ነበረት። |
| 15. | እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ምስ ተወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ቖልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሓደገቶ። |
| 16. | ሞትት እዚ ቖልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዘኣክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት። |
| 17. | ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቖልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር እንታይ ኳንኪ ኢኺ፡ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቖልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕው እዩ እሞ ኣይትርሂ። |
| 18. | ነቲ ቖልዓ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ ተንስኤ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ በላ። |
| 19. | ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቖልዓ ኣስተየቶ። |
| 20. | ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቖልዓ ነበረ፡ ንሱ ኽኣ ዐበየ፡ ኣብ በረኸውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ኮነ። |
| 21. | ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ። |
| 22. | ኮነ ኽኣ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜሌክ ምስ ፊክል ሓለቃ ሰራውቱ መጺኣኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኹሉ ምሳኻ እዩ። |
| 23. | ሕጂ ኽኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገብርኩልካ ንኣይን ነዛ ሰደተኛ ኼንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ ምሓለለይ። |
| 24. | ኣብርሃም ከኣ ኣነ እምሕል በለ። |
| 25. | ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ባሮት ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ። |
| 26. | ኣቢሜሌክ ከኣ፡ ነዚ ነግር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ። |
| 27. | ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣቡዑርን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሀቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተው። |
| 28. | ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሻብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ። |
| 29. | ኣቢሜሌክ ከኣኣ ንኣብርሃም እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሻብዓተ ሽበን እንታይ እየን በሎ። |
| 30. | ንሱ ድማ ነዛዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝኾዐትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾነኒ፡ እዛን ሻብዓተ ሸብን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድ በለ። |
| 31. | ስለዚ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤርሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ። |
| 32. | ኣብ ብኤርሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታታው፡ ኣቢሜሌክ ድማ ተንሲኣኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቃ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድር ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ። |
| 33. | ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤርሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣኣለማዊ ኣምላኽ ተማህለል። |
| 34. | ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ። |
| ← Genesis (21/50) → |