Genesis (21/50)  

1. እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ።
2. ሳራ ድማ ጠነሰት በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ።
3. ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ ስሙ ይስሓቅ ኣውጽኣሉ።
4. ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቕ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ወሲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኮነ ገዘሮ።
5. ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ኪውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኮይኑ ንበረ።
6. ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ እዚ ዝሰምዔ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሓቕ በለት።
7. ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቖልዓ ተጥቡ ሽም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ ድማ በለት።
8. እቲ ቖልዓ ኸኣ ዐብየ፡ ጡብውን ሃደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዩ ምሳሕ ገበረ።
9. ሳራ ድማ እቲ ኣጋር ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኼላግጽ ረኣየት።
10. ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ ምስ ይስሃቅ ኣይኪወርስን ኣዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም በለቶ።
11. እዚ ነገርዚ ኽኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፋእ ኮይኑ ተራእዮ።
12. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፋእ ኮይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዘጽውዓልካ እሞ ብኹሉ ንሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ።
13. ንወዲ እዛ ባያ ድማ ዘርእኻ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኽገብሮ እየ በል።
14. ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሃባ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቖልዓውን ሂቡ ሰዳዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤርሸባዕ ኮብለል ትብል ነበረት።
15. እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ምስ ተወድኤ ኸኣ፡ ነቲ ቖልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሓደገቶ።
16. ሞትት እዚ ቖልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዘኣክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት። ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት።
17. ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቖልዓ ሰምዔ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር እንታይ ኳንኪ ኢኺ፡ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቖልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕው እዩ እሞ ኣይትርሂ።
18. ነቲ ቖልዓ ዓብዩ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ ተንስኤ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ በላ።
19. ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቖልዓ ኣስተየቶ።
20. ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቖልዓ ነበረ፡ ንሱ ኽኣ ዐበየ፡ ኣብ በረኸውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ኮነ።
21. ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
22. ኮነ ኽኣ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜሌክ ምስ ፊክል ሓለቃ ሰራውቱ መጺኣኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኹሉ ምሳኻ እዩ።
23. ሕጂ ኽኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገብርኩልካ ንኣይን ነዛ ሰደተኛ ኼንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ ምሓለለይ።
24. ኣብርሃም ከኣ ኣነ እምሕል በለ።
25. ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ እታ ባሮት ኣቢሜሌክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜሌክ ወቐሶ።
26. ኣቢሜሌክ ከኣ፡ ነዚ ነግር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይ ሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ።
27. ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣቡዑርን ወሲዱ ንኣቢሜሌክ ሀቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተው።
28. ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሻብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ።
29. ኣቢሜሌክ ከኣኣ ንኣብርሃም እዘን ንበይነን ዝፈሌኻየን ሻብዓተ ሽበን እንታይ እየን በሎ።
30. ንሱ ድማ ነዛዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝኾዐትክዋ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክኾነኒ፡ እዛን ሻብዓተ ሸብን እዚኤን ካብ ኢደይ ክትወስድ በለ።
31. ስለዚ ክልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤርሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ።
32. ኣብ ብኤርሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታታው፡ ኣቢሜሌክ ድማ ተንሲኣኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቃ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድር ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ።
33. ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤርሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣኣለማዊ ኣምላኽ ተማህለል።
34. ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ኾይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።

  Genesis (21/50)