Genesis (20/50)  

1. ኣብርሃም ድማ ካብኡ ንምድሪ ደቡብ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ ኣብ ጌራር ከኣ ሰደተኛ ኮይንይ ነበረ።
2. ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ፡ ሓብተይ እያ በለ። ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራ ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።
3. ኣምላኽ ግና ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ፡ እንሆ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ በሎ።
4. ኣቢሜሌክ ከኣ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፡ ጐይታይ ንጻድቕ ህዝቢወንዶ ትቐትል ኢኻ።
5. ባዕሉዶ ኣይኮነን፡ ንሳ ሓብተይ እያ ዝበለኒ፡ ንሳ ባዕላ ድማ ንሱ ሓወይ እዩ በለት። ብጹጹይ ልበይ ብጹርዩ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ በለ።
6. ኣምላኽ ክኣ ብሕልሚ ኣነውን እዚ ብጹጹይ ልብኻ ከም ዝገብርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልክና።
7. ሕጂ ኽኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ። ነብዩ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ኹሉ ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ፡ በሎ።
8. ኣቢሜሌክ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስኤ፡ ንኹሎም ገላውኡ ጸዊዑ እዚ ነግርዚ ኹሉ ኣዘንተወሎም። እቶም ሰባት ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ።
9. ኣቢሜሌክ ከኣ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ እዚ ዝገብርካና እንታይ እዩ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዩ ሓጢኣት ዘምጻእካልና፡ እንታይ በዲለካ ነይረ እየ፡ ዘይግበር ግብሪ እንካ ደኣ ገበርካኒ በሎ።
10. ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ እንታይ ተራእዩካ ኢኻ እዚ ነገርዚ ዝገብርካ፡ በሎ።
11. ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ኪቐትሉኒ እዮብ፡ ኢለ እየ።
12. ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ ጋል ኣቦይ እያ ጓል ኣደይ ግና ኣይኮነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ኾነት።
13. ኮነ ግና፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ኩሉ ዝኣቶናዮ ቦታ ብዛዕባይ፡ ንሱ ሓወይ እዩ፡ ክትብሊ እዚ እዩ እተርእይኒ ሞገስኪ፡ በልክዋ በለ።
14. ኣቢሜሌክ ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ወሲዱ ኽኣ ንኣብርሃም ሀቦ። ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ።
15. ኣቢሜሌክ ከኣ፡ እንሆ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፡ ኣብ ዝሓይሽ መሲሉ ኣተራእየካ ተቐመጥ በለ።
16. ንሳራ ድማ እንሆ ንሓውኪ ሽሕ ሲቃል ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለው ኹሎም መጎልበቢ ዓይኒ ይኹንኪ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ተሰየምኪ በላ።
17. እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ንዝነበረ ኹሉ ማሕጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኽኣ።
18. እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ንዝነበረ ኹሉ ማሕጸን ፈጺሙ ዐጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኽኣ።

  Genesis (20/50)