Genesis (2/50)  

1. ከምኡ ሰማይን ምድርን ኩሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ።
2. ኣምላኽ ክኣ ነቲ ዝገብሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገብሮ ኹሉ ግብሩ ዐረፈ።
3. ኣምላኽ ክኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገብረኦን ኩሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።
4. በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩ፡ ወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ ኢዩ።
5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣይዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዩ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነብረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቖለትን ነበረት።
6. ግናኸ ንኹሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ።
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ክሳብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኾነ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ናቲ ዝገብሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።
9. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኩሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቆለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ክኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ።
10. ንገነት ዜስቲ ርባ ኽኣ ካብ ኤደን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኮነ።
11. ስም እቲ ሓደ ፒሶን ኢዩ። ንሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ኹላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ።
12. ወርቂ እታ ምስሪ ኣዚኣ ድማ ጽቡቕ ኢዩ። ኣቡ ብዶላሕን ክቡር ዕንቁን ኣሎ።
13. ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን ኢዩ፡ ንሱ ንኹላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ።
14. ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኽኣ ሂዴቄል ኢዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዝከይድ ኢዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ ኢዩ።
15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ ንሰብ ወሲዱ ከዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።
16. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ።
17. ካብታ ድቡእን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኡ ምስ እትበልዕ መዓልቲ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይብላዕ ኢሉ ኣዘዞ።
18. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ በለ።
19. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኹሉ ኣራዊት መሮርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዝሰምየን ምእንቲ ኽርኢ ኽኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ኹሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ ስሙ ንሱ ኾነ።
20. ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕፋ ሰማይን ናራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን።
21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኽኣ ሓንቲ ወሰደ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ።
22. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰብይቱ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።
23. እቲ ሰብኣይ ክኣ ካብ ስጋይ ኢያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ ኢያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል በለ።
24. ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኣኡን ይሕደግ ምስ ሰበይቱ ኽኣ ይጠብቕ፡ ሓደ ስጋ ድማ ይኹኑ።
25. እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ስማ ክልቲኣኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ክኣ ነበሩ።

  Genesis (2/50)