Genesis (19/50)  

1. ኣቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሰዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ኪቕበሎም ተንስኤ፡ ብገጹ ኽኣ ናብ ምድሪ ተደፍኤ እሞ።
2. ኣቱም ጎይተተይ፡ በጃኹም እንሆ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩምውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፡ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባብይ ደኣ ንሓደር በሉ።
3. ንሱ ኽኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተው። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣሲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ።
4. ገና ኸይደቀዱ ኸለው ድማ፡ ሰብ እታ ኽተማ ሰብ ሰዶም፡ ኣጉባዞምን ኣረገውትን፡ ብዘሎ ኣቲ ህዝቢ ኻብ ኹሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ።
5. ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፡ እዞም ብለየቲ ናባኻ ዝኣተው ሰባት ኣበይ ኣለው፡ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም በልዎ።
6. ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍ ደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዐጸዎ።
7. በሎም ከኣ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡
8. እነዋ ሰብኣይ ዘይፈልጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጻኣሉም ባህ ዝበልኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዚኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም።
9. ንሳቶም ግና ኣልግስ፡ ንየው በል በሉ። ድማ እዚ ሓደ ስደተኛ ኾይኑ ዝመጸ ዳኛ ኾይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ናኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና በሉ። ነቲ ሰብኣይ፡ ንሎጥ፡ ብሓይሊ ጎነጽኦ፡ ማዕጾ ኺሰብሩ ድማ ቐረቡ።
10. ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተውዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዐጸውዎ።
11. ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት ካብ ናኣሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ኺረኽቡ ይደክሙ ነበሩ።
12. እቶም ሰብ ድማ ንሎጥ ኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ ኣሎካ ሰብኣይ ጓልካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ኹሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም።
13. ነዛ ቦታ እዚኣ ኽኣ ጭራሕምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለ ዝኾነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣኦም ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሓና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ።
14. ሎጥ ድማ ወጺኣኡ ነቶም ኣዋልዱ ዘእተው ሰብኡት ኣዋልዱ፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።
15. ቀይሔጸሊም ኪቐድድ ከሎ ድማ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲ፡ ስበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተላዓል፡ ኢሎም ሀውኽዎ።
16. ንስ ግና ደንጎየ። እግዚኣብሄር ክንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲኤን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎም፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ።
17. ኮነ ኽኣ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጎልጎል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን በለ፡
18. ሎጥ ግና ኣይፋልካን ጐይታይ፡
19. እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኺቡ ኣሎ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገብርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሔ ክድሕን ኣይክእልን እየ።
20. በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረብ እያ፡ ንእሽቶ ኽኣ እያ። ንእሽቶዾ ኣይኮነትን፡፡ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ በሎም።
21. ንስ ድማ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ እንሆ፡ በዚ ነግርዚውን ሕራይ ኢለካ እየ።
22. ኣብኣ ኸይበጻሕካ ገለ ነገር ከገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቅውልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት።
23. ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት።
24. ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ።
25. ነዘን ከተማታት እዚኤንን ንኹሉ ጎልጎልን ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ኹሎምን ንብቑሊ ምድርን ገልበጠ።
26. ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ኾነት።
27. ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሄ።
28. ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጎልጎልን ኣማዕደወ፡ እንሆ ኸኣ ካብታ ሃገር ትኪ እቶን ዝመስል ትኪ ኺለዐል ረኣየ።
29. ከምዚ ኽኣ ኾነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጎልጎል ዝነበራ ኸተማታት ኬጥፍኡ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከዎ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ኪግለብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ።
30. ሎጥ ከኣ ኣብ ዛኦር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ካብ ዛኦር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከአን ተቐመጠ።
31. እታ በኹሪ ኽኣ ነታ ንእሽቶ ኣቦና ኣሪጉ እዩ። ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኩሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን።
32. ንዒ ነቦና ወይኒ ነስትዮ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ በለታ።
33. ኣሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ ኣስተይኦ፡ እታ በኹሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንሳኣን ኣይፈለጠን።
34. ኮነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በኹሪ ነታ ንእሽቶ እንሆ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ በለታ።
35. በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተይኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንሳኣን ኣይፈለጠን።
36. ክልቴኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠኒሳ።
37. እታ በኹሪ ወዲ ፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ።
38. ኣታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።

  Genesis (19/50)