← Genesis (18/50) → |
1. | ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ ስማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ። |
2. | ኣዒንቱ ኽኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ ስለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጎየየ፡ ናብ ምድሪ ኽኣ ሰገደ፡ |
3. | በለ ድማ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደኣኣ ረኺበስ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ። |
4. | ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኮታ ይምጻኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። |
5. | ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እተሓልፉስ፡ ክብኹም ክትድግፉ ቁራስ እንጌራ ኸምጻኣልኩም፡ ድሕርቲ ትሕልፉ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር ድማ በልዎ። |
6. | ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንካን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ስለስተ መስፈር ሓርጭ እቖምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ በለ። |
7. | ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጎይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዚኡ ሀቦ። ንሱ ኽኣ ኸዳልዎ ተቓላጠፈ። |
8. | ርግኦን ጸልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ። |
9. | ንሳቶም ድማ፡ ስበይትኻ ሳራከ ኣብይ ኣላ በልዎ። ንሱ ኻኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ በለ። |
10. | ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርጽግ ክምለሰካ እየ፡ ስበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ በለ። ሳራ ኽኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዝለኦ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። |
11. | ሕጂ ድማ ኣብራምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ። |
12. | ሳራ ኽኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዐለኒ፡ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። |
13. | እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፡ ኢላ ስሓቐት፡ |
14. | ንእግዚኣብሄር ዘጨንቆ ነገር ኣለዎ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኽህልዋ እዩ፡ በሎ። |
15. | ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቐትን፡ ኢሉ ኣሉበት። ንሱ ግና ኣይፋል፡ ሽሒቕኪ እባ ደኣ። በላ። |
16. | እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከዱ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ። |
17. | እግዚኣብሄር ድማ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኻህብኦ እየ። |
18. | ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ሕዝብታት ኩላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮም። |
19. | እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጻኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልውን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን ምእንቲ ኺእዝዛኦም፡ ፈለጥክዎ በለ። |
20. | እግዚኣብሄ ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዚዩ በርቲዑ እዩ። |
21. | ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞ ገይሮምዎ ወይ ዘይገብርዎ እተ ኾይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኸርኢ እየ በለ። |
22. | እቶም ሰባት ድማ ኣብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሰዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። |
23. | ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕካ ምስ ቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ። |
24. | ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከብ ይኸውን እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፡ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዝለዎ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፡ |
25. | ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኣባኻ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኩላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ በለ። |
26. | እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኺብኩላስ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ክንሕፋ እየ በለ። |
27. | ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ እንሆ ኣነ መሬትን ሓሙኽሽትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ። |
28. | ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጎድሉ ይኹኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ ኣይጥፍእን በለ። |
29. | ከም ብሓድሽ ድማ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይኾኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ በለ። |
30. | ንሱ ድማ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትኾሪ፡ ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይኾኑ በለ። ሰላሰ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ በለ። |
31. | ንሱ ድማ፡ እንሆ ምስ ጐይታይ ክዛርብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይኾኑ በለ። |
32. | ንሱ ኻ ጐይታይ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትኾሪ ደኣ ምናልባሽ ዓሰርትሰ ግዲ ይርከብዋ ይኾነ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍእን እየ በለ። |
33. | እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦትኡ ተመልሰ። |
← Genesis (18/50) → |