Genesis (18/50)  

1. ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ከሎ ስማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ።
2. ኣዒንቱ ኽኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ ስለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣኣዮም ድማ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጎየየ፡ ናብ ምድሪ ኽኣ ሰገደ፡
3. በለ ድማ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ እንተ ደኣኣ ረኺበስ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ።
4. ኣእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኮታ ይምጻኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ።
5. ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እተሓልፉስ፡ ክብኹም ክትድግፉ ቁራስ እንጌራ ኸምጻኣልኩም፡ ድሕርቲ ትሕልፉ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ ከምኡ ግበር ድማ በልዎ።
6. ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንካን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ስለስተ መስፈር ሓርጭ እቖምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ በለ።
7. ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጎይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዚኡ ሀቦ። ንሱ ኽኣ ኸዳልዎ ተቓላጠፈ።
8. ርግኦን ጸልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቕኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ።
9. ንሳቶም ድማ፡ ስበይትኻ ሳራከ ኣብይ ኣላ በልዎ። ንሱ ኻኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ በለ።
10. ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርጽግ ክምለሰካ እየ፡ ስበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ በለ። ሳራ ኽኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዝለኦ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት።
11. ሕጂ ድማ ኣብራምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ።
12. ሳራ ኽኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዐለኒ፡ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ።
13. እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፡ ኢላ ስሓቐት፡
14. ንእግዚኣብሄር ዘጨንቆ ነገር ኣለዎ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኽህልዋ እዩ፡ በሎ።
15. ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቐትን፡ ኢሉ ኣሉበት። ንሱ ግና ኣይፋል፡ ሽሒቕኪ እባ ደኣ። በላ።
16. እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከዱ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ።
17. እግዚኣብሄር ድማ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኻህብኦ እየ።
18. ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ሕዝብታት ኩላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮም።
19. እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ኼምጻኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሪኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄር ኪሕልውን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ኪገብሩን ምእንቲ ኺእዝዛኦም፡ ፈለጥክዎ በለ።
20. እግዚኣብሄ ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዚሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዚዩ በርቲዑ እዩ።
21. ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞ ገይሮምዎ ወይ ዘይገብርዎ እተ ኾይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኸርኢ እየ በለ።
22. እቶም ሰባት ድማ ኣብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሰዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ።
23. ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕካ ምስ ቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ።
24. ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከብ ይኸውን እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፡ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዝለዎ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፡
25. ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኣባኻ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ኪኸውንሲ፡ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኩላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ በለ።
26. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኺብኩላስ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ክንሕፋ እየ በለ።
27. ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ እንሆ ኣነ መሬትን ሓሙኽሽትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ።
28. ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጎድሉ ይኹኑ፡ ብዛዕባ እቶም ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ ኣይጥፍእን በለ።
29. ከም ብሓድሽ ድማ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይኾኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ በለ።
30. ንሱ ድማ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትኾሪ፡ ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይኾኑ በለ። ሰላሰ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ በለ።
31. ንሱ ድማ፡ እንሆ ምስ ጐይታይ ክዛርብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይኾኑ በለ።
32. ንሱ ኻ ጐይታይ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትኾሪ ደኣ ምናልባሽ ዓሰርትሰ ግዲ ይርከብዋ ይኾነ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍእን እየ በለ።
33. እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድኤ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦትኡ ተመልሰ።

  Genesis (18/50)