Genesis (17/50)  

1. ኣብራም ወዲ ተስዓን ተሽዓትን ዓመት ምስ ኮነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ክኣ ኩን።
2. ኪዳነይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኬቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ።
3. ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
4. እንሆ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።
5. ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገየረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ፡
6. ኣዝየ ኽፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም።
7. ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ንድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፡ እዚ ኣብ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ።
8. እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኩላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ።
9. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ ንስኻ ኽኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወልደኦም ትሕልው።
10. እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኽን ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዝለኦ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝበአለ ኹሉ ይገዘር።
11. ስጋ ዕሎኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ።
12. ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እትወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዐደገን፡ ይገዘር።
13. ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘካ እተዐደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ።
14. ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነት ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ።
15. ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ንሰብይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ድኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ።
16. ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እየ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪኾኑ እዮም፡ በሎ።
17. ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፡ ሳራ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፡ በላ።
18. ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማዔል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር በሎ።
19. ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ኣይፋልን፡ ስበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እዩ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ዘለኣለም ከቕውም እየ።
20. ብዛዕባ እምሳዔል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ ኣሎኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፡ ከፍርዮን ኣዝዩ ኽኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ። ዓብዩ ህዝቢ ድማ ኪገብሮ እየ።
21. ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ እትወልደልካ፡ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ።
22. ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድኤ ኽኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብራህም ናብ ላዕሊ ደየበ።
23. ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማዔል ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎምን ብገንዘቡ እተዐደጉ ኹሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ።
24. ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ወድ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኮይኑ ነበረ።
25. ወዱ እስማዒል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኪግዘር ከሎ ወዲ ዓሰርተው ስለስተ ዓመት ኮይኑ ነበረ።
26. በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማዔልን ወዱን ተገዝሩ።
27. ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተደጉን ምስኡ ተገዝሩ።

  Genesis (17/50)