| ← Genesis (17/50) → | 
| 1. | ኣብራም ወዲ ተስዓን ተሽዓትን ዓመት ምስ ኮነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ክኣ ኩን። | 
| 2. | ኪዳነይ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኬቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ። | 
| 3. | ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ | 
| 4. | እንሆ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ። | 
| 5. | ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገየረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ፡ | 
| 6. | ኣዝየ ኽፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም። | 
| 7. | ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ንድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፡ እዚ ኣብ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። | 
| 8. | እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኩላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ። | 
| 9. | ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ ንስኻ ኽኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወልደኦም ትሕልው። | 
| 10. | እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኽን ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዝለኦ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኺዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዝበአለ ኹሉ ይገዘር። | 
| 11. | ስጋ ዕሎኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ። | 
| 12. | ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እትወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኮነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዐደገን፡ ይገዘር። | 
| 13. | ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘካ እተዐደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ኪኸውን እዩ። | 
| 14. | ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኺዳነት ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። | 
| 15. | ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም ንሰብይትኻ ሳራይ ስማ ሳራ ድኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። | 
| 16. | ክባርኻ እየ፡ ካብኣ ድማ ወዲ ኽህበካ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እየ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ኪኾኑ እዮም፡ በሎ። | 
| 17. | ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍኤ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፡ ሳራ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፡ በላ። | 
| 18. | ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማዔል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዚነብር በሎ። | 
| 19. | ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ኣይፋልን፡ ስበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እዩ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ዘለኣለም ከቕውም እየ። | 
| 20. | ብዛዕባ እምሳዔል ድማ ጸሎትካ ሰሚዔ ኣሎኹ። እንሆ ባሪኸዮ ኣለኹ፡ ከፍርዮን ኣዝዩ ኽኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ኪወልድ እዩ። ዓብዩ ህዝቢ ድማ ኪገብሮ እየ። | 
| 21. | ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ እትወልደልካ፡ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ። | 
| 22. | ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድኤ ኽኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብራህም ናብ ላዕሊ ደየበ። | 
| 23. | ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማዔል ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎምን ብገንዘቡ እተዐደጉ ኹሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ኹሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ። | 
| 24. | ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ ወድ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኮይኑ ነበረ። | 
| 25. | ወዱ እስማዒል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኪግዘር ከሎ ወዲ ዓሰርተው ስለስተ ዓመት ኮይኑ ነበረ። | 
| 26. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማዔልን ወዱን ተገዝሩ። | 
| 27. | ኣብ ቤቱ እተወልዱ ኹሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተደጉን ምስኡ ተገዝሩ። | 
| ← Genesis (17/50) → |