Genesis (15/50)  

1. ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ ኣብራም። ኣይትፍራህ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ ኣዩ።
2. ኣብራ ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ ኣአኹ ወራስ ቤተይ ዥኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፡ በለ።
3. ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይህበካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ በለ።
4. እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዝወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ።
5. ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቑጻሮም እትኽእል እንተ ዃንካ፡ ከዋኽብቲ ቑጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እቱ፡ በሎ።
6. ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቔጸረሉ።
7. ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢሉ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ።
8. ንሱ ኽኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ እዚኣ ኸም ዝርስትያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፡ በሎ።
9. ንሱ ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኽኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ።
10. ነዚ ኹሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቖረጾ፡ ነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቀረጸንን።
11. ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ።
12. ጸሓይ ክትዕብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኽኣ ንይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ።
13. ንኣብራም ድማ በሎ፡ ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝገዝእዎ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዘጪንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ።
14. ነቲ ዝግዚእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ፡ ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጺ እዮም።
15. ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ። ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ።
16. ዓመጻ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሒጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለሶ ናይዚ ኽምለሱ እዮም።
17. ኮነ ድማ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ገብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኮነ፡ እንሆ ድማ ዘተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቑረርጽ ሓለፈ።
18. በታ መዓልቲ እቲኣ ኽኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓቢዩ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡
19. ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን፡
20. ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን።
21. ኣሞራውያንን፡ ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ።

  Genesis (15/50)