| ← Genesis (15/50) → |
| 1. | ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ ኣብራም። ኣይትፍራህ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ ኣዩ። |
| 2. | ኣብራ ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዜብለይ እኸይድ ኣአኹ ወራስ ቤተይ ዥኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፡ በለ። |
| 3. | ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይህበካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኺወርሰኒ እዩ በለ። |
| 4. | እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዔኻ ዝወጸ እዩ ዝወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ። |
| 5. | ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቑጻሮም እትኽእል እንተ ዃንካ፡ ከዋኽብቲ ቑጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ኪኸውን እቱ፡ በሎ። |
| 6. | ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቔጸረሉ። |
| 7. | ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢሉ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ በሎ። |
| 8. | ንሱ ኽኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ እዚኣ ኸም ዝርስትያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፡ በሎ። |
| 9. | ንሱ ድማ ንሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኽኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ። |
| 10. | ነዚ ኹሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቖረጾ፡ ነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቀረጸንን። |
| 11. | ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ። |
| 12. | ጸሓይ ክትዕብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኽኣ ንይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ። |
| 13. | ንኣብራም ድማ በሎ፡ ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኮይኖም ከም ዝገዝእዎ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዘጪንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ። |
| 14. | ነቲ ዝግዚእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ፡ ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ኪወጺ እዮም። |
| 15. | ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ። ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ። |
| 16. | ዓመጻ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሒጂ ኣይመልኤን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለሶ ናይዚ ኽምለሱ እዮም። |
| 17. | ኮነ ድማ ጸሓይ ምስ ዐረበት፡ ገብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኮነ፡ እንሆ ድማ ዘተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቑረርጽ ሓለፈ። |
| 18. | በታ መዓልቲ እቲኣ ኽኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓቢዩ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡ |
| 19. | ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን፡ |
| 20. | ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን። |
| 21. | ኣሞራውያንን፡ ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ። |
| ← Genesis (15/50) → |