Genesis (13/50)  

1. ኣብርም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ኹሉን፡ ሎጥ ድማ ምስኡ፡ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ደየበ።
2. ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሃብቲሙ ነበረ።
3. ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ።
4. ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ።
5. እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ።
6. እታ ምድሪ ኽኣ ብሃደ ኽነብሩ ኽትጾሮም ኣይክኣለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ብሓደ ኺነብሩ ኣይክኣሉን።
7. ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእዚ ኾነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ።
8. ኣብራም ከኣ ንሎጥ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃኻ፡ ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእዚ ኣይኹን።
9. ኩላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፡ ሕድርኻ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኽኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል በሎ።
10. ሎጥ ከኣ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብዘሎ እቲ ጎልጎል ዮርዳኖስ ኩሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረኣየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ፡ እቲ ንዞዓር እትኣትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር፡ ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ።
11. ሽዑ ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ።
12. ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዝለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፡ ድንኳን ኽኣ ኽሳዕ ሰዶም ተኸለ።
13. ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓትኣን ነብሩ።
14. ሎጥ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዘን ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት።
15. እዛ ንስኻ ኣትርእያ ዘሎኻ ኹላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ።
16. ንዘርእካ ድማ ሓምድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ኪቑጽር ዝኽእ እንተ ኾይኑ፡ ዘርእኻ ኽኣ ይቖጸር።
17. ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ በሎ።
18. ኣብራም ድማ ድንኳን ኣልዐለ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኽኣ ተቐመጠ፡ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ።

  Genesis (13/50)