| ← Genesis (13/50) → |
| 1. | ኣብርም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ኹሉን፡ ሎጥ ድማ ምስኡ፡ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ደየበ። |
| 2. | ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሃብቲሙ ነበረ። |
| 3. | ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ። |
| 4. | ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳብ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሔር ተማህለላ። |
| 5. | እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ። |
| 6. | እታ ምድሪ ኽኣ ብሃደ ኽነብሩ ኽትጾሮም ኣይክኣለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ብሓደ ኺነብሩ ኣይክኣሉን። |
| 7. | ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእዚ ኾነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። |
| 8. | ኣብራም ከኣ ንሎጥ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ በጃኻ፡ ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእዚ ኣይኹን። |
| 9. | ኩላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፡ ሕድርኻ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን ኤብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኽኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም ኤብል በሎ። |
| 10. | ሎጥ ከኣ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብዘሎ እቲ ጎልጎል ዮርዳኖስ ኩሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረኣየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍኤን ከሎ፡ እቲ ንዞዓር እትኣትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር፡ ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ። |
| 11. | ሽዑ ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፈላለዩ። |
| 12. | ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸንኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጎልጎል ዝለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፡ ድንኳን ኽኣ ኽሳዕ ሰዶም ተኸለ። |
| 13. | ሰብ ሰዶም ግና ሕሱማት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓትኣን ነብሩ። |
| 14. | ሎጥ ምስ ተፈልየ ድማ እግዚኣብሄር ንኣብራም ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዘን ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። |
| 15. | እዛ ንስኻ ኣትርእያ ዘሎኻ ኹላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። |
| 16. | ንዘርእካ ድማ ሓምድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ኪቑጽር ዝኽእ እንተ ኾይኑ፡ ዘርእኻ ኽኣ ይቖጸር። |
| 17. | ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ በሎ። |
| 18. | ኣብራም ድማ ድንኳን ኣልዐለ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኽኣ ተቐመጠ፡ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ። |
| ← Genesis (13/50) → |