| ← Genesis (10/50) → |
| 1. | ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ። ሴም፡ ካም፡ ያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወሊዱሎም። |
| 2. | ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን። |
| 3. | ደቂ ጎሜር ከኣ ኣሸከናዝን ሪፍትን ቶጋርማን። |
| 4. | ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪተምን ዶዳኒምን። |
| 5. | ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፈላለዩ። |
| 6. | ደቂ ካም ከኣ፡ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን። |
| 7. | ደቂ ኩሽ ድማ ፡ ሴባን ሓዊላን ሳባታን ራዕማን ሰባተካብ። ደቂ ራዕማ ኽኣ፡ ሸባን ዴዳንን። |
| 8. | ኩሽ ድማ ንኔምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። |
| 9. | ንሱ ባ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኔምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዛኢብሄር ጅግና ሃዳኒ፡ ተባህለ። |
| 10. | መጀምርታ መንግስቱ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። |
| 11. | ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንራሓቦትዒርንን ካላህን ሰርሔን። |
| 12. | ኣብ መንጎ ነኔዌን ካላህን ከኣኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። |
| 13. | ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ። |
| 14. | ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ። |
| 15. | ከንኣን ድማ ንሲዶን፡ በኹሪ ወዱን፡ ንሄትን፡ |
| 16. | ንይቡሳውያንን ናኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን። |
| 17. | ን ሄዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን። |
| 18. | ንኣርዋዳውያንን ንድማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከንኣን ተዘርው። |
| 19. | ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን በታ ኝጌራር እተእትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቢኢም እተአትወላ ኣቢልካ ኽኣ ክሳዕ ላሽዕ ነበረ። |
| 20. | እዚኣቶም በብዓሌቶም፡ በብቛንቛኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ደቂ ካብ እዮም። |
| 21. | ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ኹሎም ደቂ ዔብር፡ ዓብዩ ሓው ንያፌት፡ ደቂ ተወልዱላ። |
| 22. | ደቂ ሴም ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን። |
| 23. | ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን። |
| 24. | ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደ፡ ሸላሕ ከኣ ንዔብር ወለደ። |
| 25. | ንዔብር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘበኑ ምድሪ ስለእተኸፋፈለት። ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓው ድማ ዩቅጥና። |
| 26. | ዩቅጣን ድማ ናኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን። |
| 27. | ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን፡ |
| 28. | ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ |
| 29. | ንኦፊረን ንሓዊላን ንኦባብን ወለደ። እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ዩቕጣን እዮም። |
| 30. | ምቕማጦም ስማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ። |
| 31. | እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቆኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ በብህዝቦም፡ ደቂ ሴም እዮም። |
| 32. | እዚኣቶም በብወለዶም: ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ። |
| ← Genesis (10/50) → |