Genesis (10/50)  

1. ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ። ሴም፡ ካም፡ ያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወሊዱሎም።
2. ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን።
3. ደቂ ጎሜር ከኣ ኣሸከናዝን ሪፍትን ቶጋርማን።
4. ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪተምን ዶዳኒምን።
5. ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፈላለዩ።
6. ደቂ ካም ከኣ፡ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን።
7. ደቂ ኩሽ ድማ ፡ ሴባን ሓዊላን ሳባታን ራዕማን ሰባተካብ። ደቂ ራዕማ ኽኣ፡ ሸባን ዴዳንን።
8. ኩሽ ድማ ንኔምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ።
9. ንሱ ባ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኔምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዛኢብሄር ጅግና ሃዳኒ፡ ተባህለ።
10. መጀምርታ መንግስቱ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።
11. ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንራሓቦትዒርንን ካላህን ሰርሔን።
12. ኣብ መንጎ ነኔዌን ካላህን ከኣኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ።
13. ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ።
14. ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሀቢምን ንንፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስቴኤማውያን ወጹ።
15. ከንኣን ድማ ንሲዶን፡ በኹሪ ወዱን፡ ንሄትን፡
16. ንይቡሳውያንን ናኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን።
17. ን ሄዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን።
18. ንኣርዋዳውያንን ንድማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከንኣን ተዘርው።
19. ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሲዶን በታ ኝጌራር እተእትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቢኢም እተአትወላ ኣቢልካ ኽኣ ክሳዕ ላሽዕ ነበረ።
20. እዚኣቶም በብዓሌቶም፡ በብቛንቛኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ደቂ ካብ እዮም።
21. ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ኹሎም ደቂ ዔብር፡ ዓብዩ ሓው ንያፌት፡ ደቂ ተወልዱላ።
22. ደቂ ሴም ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን።
23. ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን።
24. ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደ፡ ሸላሕ ከኣ ንዔብር ወለደ።
25. ንዔብር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘበኑ ምድሪ ስለእተኸፋፈለት። ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓው ድማ ዩቅጥና።
26. ዩቅጣን ድማ ናኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን።
27. ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን፡
28. ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡
29. ንኦፊረን ንሓዊላን ንኦባብን ወለደ። እዚኣቶም ኩሎም ደቂ ዩቕጣን እዮም።
30. ምቕማጦም ስማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ።
31. እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቆኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ በብህዝቦም፡ ደቂ ሴም እዮም።
32. እዚኣቶም በብወለዶም: ኣብ ሄህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ።

  Genesis (10/50)