Galatians (6/6)    

1. ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
2. ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
3. ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።
4. ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።
5. ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ። ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ።
6. እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።
7. ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ።
8. እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ።
9. እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
10. እምብኣርሲ ጊዜ ኸሎና፡ ንዂሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።
11. ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ።
12. እቶም ንሰብ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዂላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብሉኹም ዘለዉ።
13. ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም።
14. ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ።
15. ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ኻባይ ይርሐቕ።
16. ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዚኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።
17. ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።
18. ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

  Galatians (6/6)