Galatians (4/6)  

1. ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን።
2. ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን።
3. ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቚልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና።
4. ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።
5. ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።
6. ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ።
7. ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።
8. ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም።
9. ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቚልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮት ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧
10. መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም።
11. ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ።
12. ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን።
13. ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።
14. ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዐቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን።
15. ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሀብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምበርኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧
16. እምኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ኾይነኩም እየ።
17. ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኽልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰኑን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ።
18. ግናኸ ምሳኻትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኲሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ።
19. ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ።
20. ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ።
21. ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኸም፧ እስኪ ንገሩኒ።
22. ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ።
23. ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ።
24. እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኸዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ።
25. ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል።
26. እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ።
27. ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡
28. ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና።
29. ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ።
30. እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ።
31. ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።

  Galatians (4/6)