← Galatians (4/6) → |
1. | ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። |
2. | ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቊልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዂሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ጊዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። |
3. | ከምኡውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቚልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና። |
4. | ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። |
5. | ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። |
6. | ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። |
7. | ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ። |
8. | ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። |
9. | ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቚልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮት ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ |
10. | መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም። |
11. | ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ። |
12. | ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን። |
13. | ግናኸ በቲ ቐዳማይ ጊዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። |
14. | ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዚዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዐቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን። |
15. | ዚከኣል እንተ ዚኸውንሲ፡ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሀብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምበርኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧ |
16. | እምኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ኾይነኩም እየ። |
17. | ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ኪኽልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰኑን ዚቐንኡልኩም ዘለዉ። |
18. | ግናኸ ምሳኻትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኲሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ። |
19. | ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። |
20. | ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ። |
21. | ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኸም፧ እስኪ ንገሩኒ። |
22. | ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ። |
23. | ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ። |
24. | እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኺዳን እየን። እታ ሓንቲ ኸዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ። |
25. | ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል። |
26. | እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ። |
27. | ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሐጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዐርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ |
28. | ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። |
29. | ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። |
30. | እቲ ጽሑፍካ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። |
31. | ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን። |
← Galatians (4/6) → |