Galatians (3/6)  

1. ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዐዘመኩም፧
2. ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣሎኹ፡ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፧
3. ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም፧
4. ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዚኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፧
5. ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፧
6. ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምብኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፧
7. እምብኣርከ እቶም እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ።
8. እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከምዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ።
9. እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ኪባረኹ እዮም።
10. ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ ኺገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዂሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም።
11. ግናከ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኺነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ።
12. ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዚገብሮ ብህይወት ኪነብረሉ እዩ።
13. ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
14. ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣብ ዕጸይቲ ዚስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
15. ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዘራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዔ ኺዳን ሰብ እኳ ዜፍርሶ ወይስ ዚውስኸሉ የልቦን።
16. እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዚብሀል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዚብሀል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን ኣዩ።
17. እምብኣርሲ እዚ እብል ኣሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኸንቱ ኺገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኺዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ።
18. እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዚኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሀቦ።
19. እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሐገገ።
20. ማእክላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ።
21. እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ኪገብር ዚከኣሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዚኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ።
22. እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዚኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኺውሀብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዂሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዐጸዎ።
23. እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሀድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዐጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሐሊውና ነበርና።
24. ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ።
25. እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን።
26. ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
27. ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኲላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
28. ኲላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።
29. ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።

  Galatians (3/6)