Galatians (1/6)  

1. ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡
2. ኲላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ።
3. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
4. ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሀበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
5. ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን።
6. ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ።
7. እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።
8. ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።
9. ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፡ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ።
10. ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፧ ወይስ ንሰብ ከሐጒስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፧ ገና ንሰብ ኸሐጒስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።
11. እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።
12. እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሀርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከምቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።
13. ቀደም ብኣይ ዑድነት ክነብር ከሎኸስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጒክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም።
14. ነቲ ስርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ።
15. እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጸጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና
16. ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
17. ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ኪገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
18. ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ።
19. ካብ ሃዋርያት ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኩን።
20. እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ።
21. ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ።
22. እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ።
23. እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኬዕንዋ ዚደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ኪብሉ ጥራይ ይስምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ።
24. ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።

      Galatians (1/6)