Ezra (9/10)  

1. እዚ ነገር እዚ ምስ ተወድኤ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ ኤረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው።
2. እዚ ኸአ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሀገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ።
3. ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፡ ጸጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከአ ነጼኹ፡ ሐዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።
4. ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዚፈርሁ ኹላቶም ብዛዕባ ዓመጻ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ናባይ ተአከቡ። ኣነ ኸአ ክሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዒ ሐዚነ ኾፍ በልኩ።
5. ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።
6. በልኩ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ ዓመጻና ኸአ ክሳዕ ሰማይ ዐብዩ እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን።
7. ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዩ ዓመጻ ኣሎና። ብዛዕባ በደልና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፡ ሎሚ ኸም ዝኾነ፡ ንሴፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገጽን ክንከውን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተወሀብና።
8. ሕጂ ድማ ገለ ተረፍ ኪሐድገልና ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሸኻል ክሀበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኼብርሃልናን፡ ኣብ ባርነትና ድማ ገለ ቕሩብ ትንፋስ ኪህበና፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ምሕረት ኮነልና።
9. ንሕና ባሮት ክነስናስ፡ ቤት ኣምላኽና ኽነቕውም ነቲ ዑናኡ ኸአ ክንሕድስ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ ዮርሳሌምን ድማ ሓጹር ምእንቲ ኺወሀበና፡ ንሳቶም ትንፋስ ኪህቡናስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረት መለሰልና እምበር፡ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን።
10. ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡
11. ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡
12. ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትአትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከአ ንዘለኣለም ኪወርስዋብሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ። ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝአዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡
13. እቲ ብድሕሪ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዩ ዓመጽናን ዝረኸበና ኹሉ ነገር፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና፡ ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከአ ዝሀብካናስ፡
14. መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዚገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፡ ዚተርፍን ዚመልቑን ዜልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቑጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፡
15. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፡ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና፡ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዐመጽና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብል የልቦን።

  Ezra (9/10)