Ezra (8/10)  

1. እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፡ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸኣአ መጽሓፍ ወለዶኦም እዚ እዩ፡
2. ካብ ደቂ ፊንሃስ፡ ጌርሾም ካብ ደቂ ኢታማር፡ ዳንኤል፡ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ።
3. ካብ ደቂ ሽካንያ፡ ካብ ደቂ ፈርዖሽ፡ ዘካርያስ ከምቲ ጽሕፈት ወለዶኦም ከአ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ተባዕታይ ተቖጽሩ።
4. ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ፡ ኤልይሆዔናይ ወዲ ዘራሕያ፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ተባዕታይ።
5. ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸአ ሰለስተ ሚእቲ ተባዕታይ።
6. ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፡ ዔቤድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡውን ሓምሳ ተባዕታይ።
7. ካብ ደቂ ዔላም ከአ፡ ይሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡውን ሰብዓ ተባዕታይ።
8. ካብ ደቂ ሽፈጥያ ድማ፡ ዛብድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡውን ሰማንያ ተባዕታይ።
9. ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ዖባድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ተባዕታይ።
10. ካብ ደቂ ሸሎሚት ከኣ፡ ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ተባዕታይ።
11. ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡውን ዕስራን ሶሞንተን ተባዕታይ።
12. ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፡ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ተባዕታይ።
13. ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕሮት ስሞም እዚ እዩ፡ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶምውን ስሳ ተባዕታይ።
14. ካብ ደቂ ቢግዋይ ከኣ፡ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶምውን ሰብዓ ተባዕታይ።
15. ናብ ኣሃዋ ኣቢሉ ናብ ዚውሕዝ ርባ ድማ ኣከብክዎም ኣብኡ ሰፊርና ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ገበርና። ኣብ ህዝብን ኣብ ካህናትን ድማ ደሌኹ እሞ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።
16. ሽዑ ሓላቑ፡ ንኤሊዔዝር፡ ንኣሪኤል፡ ንሸማዕያ፡ ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን፡ ነቶም መምህራን ከአ፡ ንዮያሪብን ንኤልናታንን ጸዋዕኩ።
17. ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፡ ናብ ኢዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ካሲፍያ ዝነበሩ ኢዶን ኣሕዋቱነቲኒምን ንቤት ኣምላኽ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኺሰዱልና ኸአ፡ ኪዛረብዎ ዚግብኦም ቃላት ኣብ ኣፎም ኣንበርኩ።
18. ከምታ ኣብ ልዕሌና ዝነበረት ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኸአ፡ ካብ ደቂ ማሕሊ ኣዝዩ ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ሸረብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ሾሞንተ ኣምጽኡልና።
19. ሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ይሻዕያ ኻብ ደቂ መራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ።
20. ካብ ነቲኒም ድማ ዳዊትን ሓላቑን ንሌዋውያን ኬገልግሉ ዘመዘዝዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ነቲኒም፡ ነዚኣቶም ኩላቶም በብስሞም እተጸውዑ ሰደዱልና።
21. ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ።
22. ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዚደልይዎ ኹላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዚሓድግዎ ኹላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኼድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሐንኽኩ።
23. ብዛዕባ እዚ ኸአ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።
24. ካብ ሊቃነ ኻህናት ከአ ዓሰርተው ክልተ፡ ሸረብያን ሓሻብያን፡ ምሳታቶም ድማ ካብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈሌኹ።
25. እቲ ንጉስን መማኽርቱን ሓላቑኡን፡ እቶም ካብ እስራኤል እተረኸቡ ኹላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ህያቦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዘንኩሎም።
26. ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸአ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሔሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሔ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሀብክዎም።
27. ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸአ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሔሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዜንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሔ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሀብክዎም።
28. ንኣታቶም ድማ፡ ንስኻትኩም ንእግዚብሄር እተቐደስኩም ኢኹም፡ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከአ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣትትኩም ናይ ፍቓድ ህያብ እዩ።
29. ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ቅድሚ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቂቑን ሓልውን፡ በልክዎም።
30. እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከአ ናብ ዮርሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኺወስድዎ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ብሚዛን ተቐበሉ።
31. ብቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸአ ናብ ዮርሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ርባ ኣሃዋ ተለዐልና። ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት እሞ ኣብ መገዲ ኻብ ኢድ ጸላእን ካብ ድብቕን ኣድሐነትና።
32. ናብ ዮርሳሌም ድማ በጻሕና፡ ኣብኣ ኸአ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥና።
33. በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ብሩርን ወርቅን እታ ኣቓሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ መሬሞት ወዲ ኻህን ኡርያ ተመዝነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ ነበረ፡ ምሳታቶም ከአ እቶም ሌዋውያን ዩዛበድ ወዲ እያሱ፡ ኖዓድያ ወዲ ቢኑእ ነበሩ።
34. ኩሉ ተቖጽረን ተመዝነን፡ በቲ ጊዜ እቲ ኸአ ኩሉ እቲ እተመዝነ ተጻሕፈ።
35. እቶም ኣብ ምሮኮ ነይሮም ዝመጹ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዚሐርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዓት ስለ ኹሎም እስራኤል፡ ተስዓን ሹዱሽተን ድዑል፡ ሰብዓን ሾብዓተን ገንሸል፡ ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኸአ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዚ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ነበረ።
36. እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ስግር ክንየው ርባ ንዝነበሩ መሳፍንትን ሀብዎም። ንሳቶም ከአ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።

  Ezra (8/10)