Ezra (7/10)  

1. ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸአ ብመንግስቲ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ እዝራ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ ሒልቂያ፡
2. ወዲ ሻሎም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡
3. ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ መርዮት፡
4. ወዲ ዘራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡
5. ወዲ ኣቢሺዓ፡ ወኢድ ፊንሃስ፡ ወዲ ኤልዓዛር፡ ወዲ ኣሮን ሊቀ ኻህናት፡
6. እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሀቦ ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ ዝደለዮ ኹሉ ንጉስ ሀቦ።
7. ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ ዘመርትን ካብ ኣጋፈርትን ካን ነቲኒምን ከአ ብሳብዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ምስኡ ናብ ዮርሳሌም ደየቡ።
8. ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ ናብ ዮርሳሌም መጸ።
9. ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ኪድይቡ ጀመሩ፡ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረት፡ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ ዮርሳሌም መጸ።
10. እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከአ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።
11. ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንእዝራ እቲ ኻህን እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል እተዋህበ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ዚጽሕፍ ጸሓፊ፡ ዝሀቦ ደብዳበ ቅዳሓ እዚ እዩ።
12. ካብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ነገስታት፡ ንእዝራ ኻህን፡ ፈላጥ ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ሰላም፡ ወዘተ…
13. ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ ዮርሳሌም ኪኸይድ ዚደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ኹሉ፡ ምሳኻ ይኺድ። ኢለ አዚዘ ኣሎኹ።
14. በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።
15. በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።
16. በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንዮርሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።
17. ሕጂ ድማ በዚ ገንዘብ እዚ ጌርኩም ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስቲኦምን ተጊህካ ተሻየጥ እሞ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦ።
18. በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከአ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ።
19. እቲ ንምግልጋል ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቓሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዮርሳሌም ሀብ።
20. ንቤት ኣምላኽካ ዜድሊ ኽትህብ ዚግብኣካ ኻልእ ነበር ከአ ካብ ቤት መዝገን ንጉስ ሀቦ።
21. ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብሪ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዚድልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከአ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሀብዎ።
22. ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብሪ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዚድልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከአ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሀብዎ።
23. እቲ ኣምላኽ ሰማይ ዝአዘዞ ዘበለ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ንጥንቃቐ ይወሀብ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቁጥዓ ዚመጽእ።
24. ንኹሎም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ነዚ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፡ ገለ ግብርን ፈሰስን ተጎን ኪወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣሎና።
25. ንስኻ እዝራ ድማ፡ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ኽንየው ርባ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ዚዳንዩ፡ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዚፍልጡ ኹላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ግበረሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ከአ ምሀርዎ።
26. ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይገብሮ ኸአ ውይ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።
27. ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቑ አከብኩ።
28. ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኬኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸአ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ኪድይቡ ሓላቑ አከብኩ።

  Ezra (7/10)