Ezra (6/10)  

1. ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ።
2. ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነምዘከርታ እተጻሕፎ ሐደ ኽታብ ተረኽበ።
3. ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕ፡ መሰረታ ጽኑዕ ይኹን። ቁመታ ስሳ እመት፡ ምግፍሓ ኸአ ስሳ እመት፡
4. ኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል።
5. እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸአ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ።
6. እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታርቦዝናይ ንስኻትኩም ከአ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ።
7. እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ።
8. ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩ።
9. ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከአ ኪጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ደማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ ዮርሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም።
10. ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከአ ኪጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ደማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ ዮርሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም።
11. ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ ኣሎኹ።
12. ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮ። ኣነ ዳርዮስ አዘዝኩ፡ ብጥንቃቐ ይግበርዎ።
13. ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባን፡ ሽታርቦዝናይን እቶም ብዞቶምን፡ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ።
14. እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከአ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎ።
15. እታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመት።
16. ደቂ እስራኤል፡ ካህናትን ሌዋውያንን ኩሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብልዐልዎ።
17. ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከአ ሚእቲ ዝራብዕ ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑል፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንኹላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ።
18. ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸአ፡ ካህናት በብስርዓቶም፡ ሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ።
19. እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣአ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ።
20. ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኩላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ።
21. እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ኹላቶምን በልዑ።
22. እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሓጎስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጎስ ኣብዐሉ።

  Ezra (6/10)