Ezra (5/10)  

1. እቶም ነብያት ከአ፡ ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ነቶም ኣብ ዩዳን ኣብ ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኣይሁድ፡ ንኣታቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዮሎም።
2. ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ተንስኡ፡ ኣብ ዮርሳሌም ቤት ኣምላኽ ኪሰርሑ ኸአ ከመሩ። ምሳታቶም ኮይኖም ድማ ነብያት ኣምላኽ ይድግፍዎም ነበሩ።
3. በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ስግር ክንይወ ርባ መስፍን ዝነበረ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ብጾቶምን መጺኦም ከምዚ በልዎም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሕዋ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ መን አዘዘኩም፡
4. ሽዑ ኸምቲ ዝኾነ ጊርና ስም እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዝዐየዩ ሰባት ነገርናዮም።
5. ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓአይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ዳርዮስ ክሳዕ ዚግሩን ምላሹ ድማ ብዛዕባኡ ደብዳበ ኽሳዕ ዚመጽእን፡ ነቲ ዕዮ ኣየብኮርዎምን።
6. እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ስግር ክንየው ርባ ዚነብሩ ብጾቶም ኣፍሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ፡ ቅዳሓ እዚ እዩ።
7. ናብኡ ደብዳበ ሰደዱ፡ ኣብኣ ኸአ ከምዚ ተጸሒፉ ነበረ፡ ኩሉ ሰላም ንንጉስ ዳርዮስ።
8. ንሕና ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፡ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸአ ብኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ትንደቕ አላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕጻው ይግበሮ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ብጥንቃቐ ይዕየ፡ ኣብ ኣእዳዎም ከአ ይሰልጠሎም አሎ።
9. ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፡ ነዚ መከባብያዊ እዚውን ክትሕድሱ፡ መን አዘዘኩም፡ ኢልና ጠየቕናዮም።
10. ስም እቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለው ሰባት ምእንቲ ኽንጽሕ ኸነፍልጠካ ኢልና፡ ስሞም ሐተትናዮም።
11. እቲ ዝመለሱልና ቓል ከአ እዚ እዩ፡ ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ተሰሪሓ ዝነበረት፡ ሓደ ዓብዩ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ አእኪልዋ ዝነበረ ቤት ድማ ንሰርሕ ኣሎና።
12. ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣኾረይዎ ግና፡ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣሓሊፉ ሀቦም። ንሱ ኸአ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ።
13. ንቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ኣብ መጀመርታ ዓመቱ ግና እዛ ቤት ኣምላኽ ክትሰራሕ ንጉስ ቄሮስ ኣዘዘ።
14. እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡካድነጽር ካብቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ መቕደስ ወሲዱ፡ ናብ መቕደስ ባቢሎን ዚግዐዞ፡ ንጉስ ቂሮስ ካብ መቕደስ ባቢሎን ኣውጽኡ ሸሽባጻር ንዚብሀል መስፍን ገይርዎ ዝነብረ ሀቦ።
15. እዚ ኣቓሑ እዚ ውሰድ እሞ ኪድ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፡ እታ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣብታ ቦታኣ ትሰራሕ በሎ።
16. ሽዑ ሽሽባጻር መጺኡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሰረታ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸአ ክሳዕ ሕጂ ትስራሕ ኣላ፡ ገና ድማ ኣይተፈጸመትን።
17. እምበኣር ንንጉስ ከምዚ እንተ ደአ ባህ ኣቢልዎስ፡ እዛ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽና ክትስራሕ፡ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተአዚዙ እንተ ደአ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዝገብ ንጉስ ይድለ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኸአ ንጉስ ፍቓዱ ይልአኸልና።

  Ezra (5/10)