Ezra (4/10)  

1. እቶም ጸላኣቲ ይሁዳን ብንያምን ከአ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፡
2. ናብ ዙሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም፡ ንሕና ኸአ ከማኻትኩም ኣምላኽኩም ንደሊ ኣሎና፡ ካብታ ኤሳርሓዶን ንጉስ ኣሶር ናብዚ ዘምጽኣና፡ መዓልቲ ጀሚርና ድማ ንእኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎም።
3. ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት እስራኤልን ግና፡ ንሕናስ ከምቲ ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደአ ንሰርሓሉ እምበር፡ ንስኻትኩም ምሳና ዃንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሕሉ ኣይግብአኩምን እይ በልዎም።
4. ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፡ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም።
5. ነቲ ምኽሮም ኬፍርሱ ድማ መኻሮ ተሻየጡሎም። እዚ ኸአ ብኹሉ ዘመን ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
6. ኣሓሽዌሮሽ ምስ ነገሰ ድማ፡ ብመጀመርታ መንግስቱ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዩዳን ዮርሳሌምን ዚነብሩ ኽሲ ጸሓፉ።
7. ብዘመን ኣርታሕሻስታ ኸአ ቢሻም፡ ሚትሬዳት፡ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ጸሐፉ። ጽሕፈት እታ ደብዳበ ኸአ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ እሞ፡ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጎመት።
8. ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ኢሎም ኣንጻር ዮርሳሌም ደብዳበ ጸሐፉ።
9. ሽዑ ረሑ እቲ ሹምን ሽምሻይ ጸሓፍን እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ዲናውያንን ኣፋርሳትካውያንን ጣርጳላውያንን ኣፋርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሽሻንካውያንን ዴዳውያንን ኤልማውያንን፡
10. እቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኦሰናፍር ኣግዒዙ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዘቐመጦም ካልኦት ህዝብታትን እቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር ክንየው ርባን፡…ወዘተ ኮይኖም ጸሓፉ።
11. ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዚ እዩ፡ እቶም ሰብ ስግር ክንየው ርባ ባሮትካ፡ ወዘተ…
12. እቶም ካባኻ ዝደየቡ ኣይሁድ፡ ናባና ኣብ ዮርሳሌም ከም ዝመጹ እሞ ነታ ዓለወኛን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለው፡ መካበብያኣ ኸአ ከም ዝፈጸሙ መሰረታ ድማ ከም ዘጽንዑ፡ ንጉስ ይፍለጥ።
13. ሕጂ ኸአ እዛ ኸተማ እዚኣ እተን ተሰሪሓ፡ መከባቢኣውን እንተ ተሓዲሱ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከም ዘይህቡ እሞ፡ መዝገብ ንጉስ ከም ዚጉዳእ፡ ንጉስ ይፍለጥ።
14. እምበኣርሲ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ ካብ እንበልዕ፡ ጉድኣት ንጉስ ስቕ ኢልና ኽንርኢ ዘይግብኣና እዩ፡ ስለዚ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍለጥናዮ።
15. ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ኣቦታትካ ይመርምሩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝኾነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጎድኤት፡ ካብ ጥንቲ ኸአ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኽትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።
16. እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደአ ተሰሪሓ፡ መከባብያኦ ኸአ እንተ ተሓዲሱ፡ ስግር ክንየው ርባ ኽፍሊ ኸም ዜብልካ፡ ንንጉስ ንነግር ኣሎና።
17. ንጉስ ኣብ ረሑም ሹምን ኣብ ሺምሻይ ጸሓፍን ኣብቶ ኣብ ሰማርያን ኣብ ካልእን ኣብ ስግር ክንየው ርባ ዝተረፉ ብጾቶምን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፡ ሰላም፡ ወዘተ…
18. እታ ናባና ዝሰደድኩዋ ደብዳበ ብግልጺ ኣብ ቅድመይ ተነቢቡ።
19. ኣነ ድማ ኪምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፡ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ነገስታት ከም ዝተንስኤት፡ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም እተገብረ ተረኸበ።
20. ኣብ ዮርሳሌም ከአ ንስግር ርባ ዝነብረ ኹሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከአ ንኣታቶም ይወሀብ ነበረ።
21. እምበኣርሲ ኻባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዚወሀብ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ኪሓድጉ፡ እታ ኸተማ ኸኣአ ከይትስራሕ፡ ኣዝዙ።
22. በዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ስለምንታይ እቲ ንነገስታት ዚጎድእ ክፉእ እናበዝሔ ዚኸይድ።
23. እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ ጸሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጾቶምን ምስ ተነበት፡ ቀልጢፎም ናብ ዮርሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፡ ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኮርዎም።
24. ሽዑ ዕዮ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በኾረ፡ ክሳዕ እታ ኻልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከአ በኾረ።

  Ezra (4/10)