Ezra (3/10)  

1. እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት ድማ፡ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም ምስ ተቐመጡ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ።
2. ሽዑ እያሱ ወዲ ዪጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን ኣሕዋቱን፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኬቕርበሉ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።
3. ነቲ መሰውኢ ኸአ ኣብታ ቦትኡ ኣንበርዎ። በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለው ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣዕረጉ፡ ብጊሓት ምሸትን ኣዕረጉ።
4. ከምቲ ጽሑፍ ድማ በዓል ዳስ ኣብዐሉ፡ ከምቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቑጽሪ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ዚሐርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ።
5. ድሕርዚ ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዚስውእዎን ኣዕረጉ።
6. ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዚሐርር መስዋእቲ ኼዕርጉ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።
7. ንወቐርቲ እምንን ንጸረብቲ ዕጨይትን ድማ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝአዘዘሎም ገንዘብ ንሲዶናውያናን ንጢሮሳውያንን ዕጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ ምእንቲ ኼምጽኡሎም፡ መብልዕን መስተን ዘይትን ሀቡ።
8. ናብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ካብ ዝመጹ ኸእ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ዘሩባቤል ወዲ ሸአልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያን እቶም ካብ ምርኮ ናብ ዮርሳሌም ዝመጹ ኹላቶምን ኮይኖም ቤት እግዚኣብሄር ከሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከአ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዕዮ ቤት እግዚኣብሄር ኪሕልው ኣቖምዎም።
9. ሽዑ እያሱ ምስ ደዉን ኣሕዋቱን ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ ከአ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን ሌዋውያን ኮይኖም፡ ነቶም ዕዮ ቤት ኣምላኽ ዚዐዩ ኺሕልው ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።
10. እቶም ሃነጽቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪስርቱ ኸለው ኸአ እቶም ካህናት ድማ ለቢሶም መለኸት ሒዞም፡ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከአ ጸናጽል ሒዞም፡ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ደው ኢሎም ነበሩ።
11. ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸአ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕሶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ኹላቶም ኸአ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
12. ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸአ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዕው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።
13. እቲ ህዝቢ ብሓጎስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸአ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጎስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኺፈልዩ ኣይከአለን።

  Ezra (3/10)