Ezra (2/10)  

1. እቶም ደቂ ሃገር፡ ነቡክነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎም ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮርሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ እተመልሱ እዚኣቶም እዮም።
2. እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ሰራያ፡ ርዔላይ፡ ማርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጳር፡ ቢግዋይ፡ ረሑም፡ ባዓና እዮም።
3. ደቂ ፈርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
4. ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።
5. ደቂ ኣርሓ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።
6. ደቂ ፋሓትሞኣብ ካብ ደቂ እያሱ ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
7. ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
8. ደቂ ዛቱ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
9. ደቂ ዘካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።
10. ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።
11. ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
12. ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
13. ደቂ ኣዶኒቃም ሹዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።
14. ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።
15. ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
16. ደቂ ኣጤር ካብ ዓሌት ህዝቅያስ ተስዓን ሾሞንተን
17. ፡ ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
18. ደቂ ዮራህ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
19. ደቂ ሓሹም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
20. ደቂ ጊበር ተስዓን ሓሙሽተን።
21. ደቂ ቤትልሄም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
22. ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሹዱሽተን።
23. ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
24. ደቂ ዕዝማዌት ኣርብዓን ክልተን።
25. ደቂ ቂርያትዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።
26. ደቂ ራማን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።
27. ሰብ ቤትኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
28. ሰብ ቤትኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።
29. ደቂ ኔቦ ሓምሳን ክልተን።
30. ደቂ ማግብሽ ሚእትን ሓምሳን ሹዱሽተን።
31. ደቂ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።
32. ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።
33. ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።
34. ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።
35. ደቂ ሰናኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን።
36. ካህናት፡ ደቂ የዳዕያ ካብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።
37. ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።
38. ደቂ ፋሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዐተን።
39. ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን።
40. ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱን ቀድሚኤልን፡ ካብ ደቂ ሆዳውያ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን።
41. ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
42. ደቂ ኣጋፈርቲ፡ ደኢ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።
43. ነቲነም፡ ደቂ ጸሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣብዖት፡
44. ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህ፡ ደቂ ፋዶን፡
45. ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቑብ፡
46. ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻምላይ፡ ደቂ ሓናን፡
47. ደቂ ጊዳል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ፡
48. ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቖዳ፡ ደቂ ጋዛም፡
49. ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ፡
50. ደቂ ኣሰና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሲም፡
51. ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡
52. ደቂ ባጽሎት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡
53. ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲስራ፡ ደቂ ታማሕ፡
54. ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ።
55. ደቂ ገላው ሰሎሞን፡ ደቂ ሰጣይ ፡ ደቂ ሰፋረት፡ ደቂ ፋሩዳ፡
56. ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደጊ ጊደል።
57. ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶኮረትሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ።
58. ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
59. እዚኣቶም ድማ ካብ ተልሜላሕን ካብ ተልሓርሻን ካብ ካሩብኣዳንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ እዮም እሞ፡ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ኪነግሩ ዘይከአሉ፡
60. ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን።
61. ካብ ደቂ ኻህናት ከአ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ባርዚለይ እዮም።
62. እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይረኽቡን፡ ስለዚ ኸም ርኹሳት ካብ ካህናት ተኸልከሉ።
63. እቲ ቲርሻታ ኸኣ፡ ንኡሪምን ንቱሚምን ካህን ክሳዕ ዚትንስእ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም።
64. ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓንን ክልተን ሽሕኝ ሰለሰተ ሚእትን ስሳን ነበረ።
65. ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ ንሳቶም ሾብዓተ ነበሩ። ዚዝመሩን ዚዝምራን ድማ ክልተ ሚእቲ ነበርዎም።
66. ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰሳን ሽድሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡
67. ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።
68. ገላ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከአ ኣብታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ቦትኣ ኺሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሀቡ።
69. ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዚኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ብሩር፡ ልብሰ ኽህነት ድማ ሚእቲ ሀቡ።
70. ካህናትን ሌዋውያንን ገላ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ከአ ኣብ ከተማታቶም፡ እስራኤል ድማ ኩላቶም ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።

  Ezra (2/10)