Ezra (10/10)    

1. እዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተአከበ። እቲ ህዝቢ ኸ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።
2. ካብ ደቂ ዔላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸአ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ አሎ።
3. እምበአርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁን፡ ከምቲ ሕጊ ድማ ኪግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኺዳን ንአቱ።
4. እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።
5. ሽዑ ኸአ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንኹላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከአ መሐሉ።
6. እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸአ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ይበልዔን ማይ ኣይሰተየን።
7. እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ ዮርሳሌም ኪእከቡ ድማ ኣብ ዩዳን ኣብ ዮርሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ።
8. ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ።
9. በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኩሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ ዮርሳሌም ተአከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኩሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣአብቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።
10. እዝራ ኻህን ከአ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም።
11. ሕጂ ኸአ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣታትኩ ተናዘዙ፡ ፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ንስትን ተፈለዩ በሎም።
12. ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ።
13. እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ጊዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።
14. እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዚረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽናኣ ኻባና ኽሳዕ ዚምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለው፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ።
15. ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከአ ሓገዝዎም።
16. እቶም ደቂ ምርኮ ኸአ ከምኡ ገብሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኩላቶም በብስሞም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ።
17. ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ።
18. ካብ ደቂ ኻህናት ከአ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን ኤሊዔዘርን ያሪብን ገዳልያን፡
19. ንሳቶም ኪሰዱ ኣእዳዎም ሀቡ። በደልቲ ኾይኖም ከአ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ።
20. ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን።
21. ካብ ደቂ ሓሪም ከአ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዚያን።
22. ካብ ደቂ ጳሽሑርውን፡ ኤልዮዔናይ፡ ማዕሰያ፡ እስማዔል፡ ንታንኤል፡ ዮዛባድን ኤልዓሳን።
23. ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያ፡ ይሁዳ፡ ኤልዔዘር ከአ።
24. ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውን፡ ሻሎምን ጠለምን ኡሪን።
25. ካብ እስራኤል ከአ ካብ ደቂ ፋርዖሽ፡ ራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን።
26. ካብ ደቂ ዔላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን።
27. ካብ ደቂ ዛቱውን ኤልዮዔናይ” ኤልያሺብ፡ ማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን።
28. ካብ ደቂ ቤባይ ከአ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን።
29. ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክ፡ ዓዳያ፡ ያሹብ፡ ሸኣልን ይራሞትን።
30. ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ ከአ፡ ዓድና፡ ክላል በናያ ማዓሰያ፡ ማታንያ ብጻልኤል፡ ቢኑኢን ምናሴን።
31. ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዔዘር ዮሺያ፡ ማልኪያ፡ ሸማዕያ፡ ሽምዖን፡
32. ቢንያሚን፡ ማሉክ ሽማርያ።
33. ካብ ደቂ ሑሹም መትናይ፡ ማታት፡ ዛባድ ኤልፈለጥ፡ ይሬማይ ምናሴ፡ ሺምዒ።
34. ካብ ደቂ ባኒ፡ ማዓዳይ፡ ዓምራም፡ኡኤል ከአ፡
35. በናይ፡ ቤድያ፡ ክሉሂ፡
36. ዋንያ፡ መሬሞት፡ ኤልያሺብ፡
37. ማታንያ፡ ማትናይ፡ የዓሳው ድማ፡
38. ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን፡
39. ሸለምያን ናታንን ዓዳያን፡
40. ማክናድባይ ሸሻይ፡ ሻራይ፡
41. ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን።
42. ሻሎም፡ ኣምርያ፡ ዮሴፍ።
43. ካብ ደቂ ኔቦ፡ ይዒኤል፡ ማቲትያ፡ ዛባድ፡ ዘቢና፡ ያዳይ፡ ዮኤልንን በናያን።
44. እዚኣቶም ኩሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ።

  Ezra (10/10)