Ezra (1/10)  

1. ንቂሮስ ንፉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ።
2. ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ።
3. ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸአ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ።
4. ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ።
5. ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሑ ኺድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ።
6. እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ኹላቶም ከአ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሀብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ።
7. ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከአ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ።
8. ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኢ ንሹም ይሁዳ፡ ንሽሽባጸር፡ ፈቒዱ ሀቦ።
9. ፍቕዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ጭሔሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሔሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡
10. ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸአ ሽሕ።
11. ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም ኪድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ።

      Ezra (1/10)