Ezra (1/10) → |
1. | ንቂሮስ ንፉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኺፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ። |
2. | ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሀበኒ፡ ንሱ ኸአ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ቤት ክሰርሓሉ አዘዘኒ። |
3. | ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኮም ዘሎ ኸአ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዚነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ኪሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ዮርሳሌም ይደይብ። |
4. | ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ ዮርሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዚወሀብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሐግዝዎ። |
5. | ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ኪሰርሑ ኺድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ። |
6. | እቶም ኣብ ከባቢኦም ዚነብሩ ኹላቶም ከአ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሀብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ። |
7. | ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከአ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ። |
8. | ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጽኢ ንሹም ይሁዳ፡ ንሽሽባጸር፡ ፈቒዱ ሀቦ። |
9. | ፍቕዱ ኸአ እዚ እዩ፡ ጭሔሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሔሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡ |
10. | ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸአ ሽሕ። |
11. | ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ ዮርሳሌም ኪድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ። |
Ezra (1/10) → |