Ezekiel (8/48)  

1. ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፡ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸሎኹ፡ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።
2. ሽዑ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ፡ ካብቲ ምስሊ ሕቚኡ ንታሕቲ ሓዊ፡ ካብ ሕቚኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዜንጸባርቕ ኣስራዝን ዚመስል እዩ።
3. ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፡ ብጸጒሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒ፡ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒ፡ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፡ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ፡ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፡ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ።
4. እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኤኽዎ ትርኢት፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።
5. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፡ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ።
6. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ ኣሎኻ ኣነ ኻብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ ኣሎኻ ኤረ ገና ኻብዚ ዚዐቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
7. ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጸድ ወሰደኒ፡ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኤኹ።
8. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኲዐቶ፡ በለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኰዐትክዎ ድማ፡ እንሆ፡ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
9. ንሱውን፡ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮ፡ በለኒ።
10. ኣቶኹን፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኹሳት እንስሳን ኲሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ።
11. ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፡ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ።
12. ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፡ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፡ ኢሎምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮም ኣሎኻ፡ በለኒ።
13. ንሱ ኸኣ፡ ኤረ ኻብዚ ዚገድድ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
14. ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጦን ንተሙዝ ይበኽያሉይ ነበራ።
15. ሽዑ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዮዶ ገና ኻብዚ ዚገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
16. ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።
17. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዶ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ፡ መመሊሶም ድማ ኲራይ ዘለዓዕሉስ፡ ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ እንሆ፡ ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ፡ በለኒ።
18. ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፡ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፡ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰምዖምን እየ።

  Ezekiel (8/48)