Ezekiel (7/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ መወዳእታ፡ ናይ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ።
3. ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፡ ቊጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፡ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፡ ኲሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።
4. ዓይነይ ኣይኪንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሓልክን፡ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽይፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መዓት፡ በይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መዓት እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።
6. መወድእታ መጸ፡ እቲ መወዳእታ መጸ፡ ተላዕለኪ፡ እንሆ ይመጽእ ኣሎ።
7. ኣታ ኣብ ሃገር እትነብር ዘሎኻ፡ ተራኻ መጸካ። እቲ ጊዜ በጽሔ፡ እልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስማዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።
8. ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡ ሃና ቚጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፡ ከም መጠን መገድኺ ኽፈርደኪ፡ ንዂሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርድዕ እየ።
9. ዓይነይ ኣይኪንሕፍን እዩ፡ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፡ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዚወቅዕ ዘሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
10. እንሃ እታ መዓልቲ፡ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሔ። እታ ሸቦጥ ዐምበበት፡ ትዕቢት ከኣ ጠጥዔ።
11. ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፡ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዚተርፍ ሓደ እኳ የሎን።
12. ዘመን በጺሑ፡ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ። ጒሁር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፡ ዚወየጥ ኣይተሐጐሰ፡ ዚሸይጥውን ኣይጒሄ።
13. እቲ ዚሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፡ ናብቲ ዝሸጦ ኣይኪምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይኪምለስን እዩ እሞ፡ ብዓመጽ ዚነብርሲ ንህይወቱ ዜጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን።
14. መለኸት ተነፍሔ፡ ኲሉ ኸኣ ተዳለወ፡ ቊጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፡ ኣብ ውግእ ዚኸይድ ሓደ እኳ የልቦን።
15. ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን ኣሎ። እቲ ኣብ መሮር ዘሎ ብሰይፊ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ኪውሕጦ እዩ።
16. እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግብታት ሽንጭሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፡ ኣብ ኣኽራን ኪዀኑ እዮም።
17. ኲለን ኣእዳው ኪሕለላ፡ ኲለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ኪፈሳ እየን።
18. ከሊ ኺዕጠቑ፡ ራዕዲ ኪኽደኑ፡ ኲሉ ገጽ ብሕንኪ ኺጒልበብ፡ ኲሉ ርእስታቶም ድማ ኪበርሕ እዩ።
19. ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን፡ ንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፡ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ።
20. መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፡ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዜፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ።
21. ዘመተ ኪኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ምርኮ ኪኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
22. ካባታቶም ገጸይ ከመልስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ኬርክስዎ፡ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
23. እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለት ደመ ነፍሲ መሊኣ ኣላ፡ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመጽ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ሞቚሕ ኣዳሉ።
24. ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፡ እዚኣቶም ኣባይቶም ኪወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፡ መቓድሶም ከኣ ኪረኽሳ እየን።
25. ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ሰላማ ኪደልዩ እዮም፡ ኣይርከብን ከኣ።
26. መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ኪመጽእ፡ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ኪኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ኪደልዩ፡ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኺጠፍእ እዩ።
27. እቲ ንጉስ ኪትክዝ፡ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ኪኽደን፡ ኣእዳው እቶምህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ኪብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፡ ከከም ዚግብኦም ካ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (7/48)