Ezekiel (6/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን፡
3. በልውን፡ ኣትን ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዂርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ፡ እወ ኣነ ሰይፊ ኸም ጽኣልኩም፡ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።
4. መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ እቲ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪሰባበር፡ ነቶም ውጉኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣኦታትኩም ከውድቖም እየ።
5. ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ።
6. መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑን፡ ጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪፍለጽ፡ ስራሕኩም ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ኪዖንዋ እየን፡ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ።
7. ተወጊኦም ዚሞቱ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8. ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኺህልዉኹም እዮም፡ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሐድገልኩም እየ።
9. እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፡ ነተን ኪዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዚኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፡ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ኪዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዂሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ኪፍንፍኑ እዮም።
10. ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን።
11. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኢድካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ኸኣ ኰርደብ ደብ በል፡ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኲሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፡ እየ፡ ወዮ፡ በል።
12. እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቊጥዓይ ኣባታቶም ክፍጽም እየ።
13. እቶም ውግኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ በረኽቲ ዂድዂዶታት፡ ኣብ ኲሉ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ገረብ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፡ ኣብ ማእከል እቲ ንዂሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዐጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰኑ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
14. ኣነ ኸኣ ኢደይ ክዝርግሓሎም እየ፡ ነታ ሃገር ድማ፡ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፡ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (6/48)