Ezekiel (47/48)  

1. ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዚርኢ እሞ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ታሕቲ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፡ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ።
2. ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፡ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፡ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፡ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ።
3. እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኺወጽእ ከሎ፡ ዚእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፡ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፡ ክሳዕ ክሳድ እግረይ በጽሔ።
4. ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሔ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሔ።
5. ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፡ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቚ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፡ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሒዝ ኰነ።
6. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ትርኢዶ ኣሎኻ በለኒ። ሽዑ ወሰደኒ፡ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ።
7. ምስ ተመለስኩ፡ እንሆ፡ ወሰነ ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም ኣሎ።
8. በለኒ ድማ፡ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፡ ናብ ጐልጐል ኪወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ኪበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቲ ማያት ኪጥዒ እዩ።
9. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኲሉ ዚዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ኪበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኺኣትዎ እዩ እሞ፡ እቲ ማያት ባሕሪ ኺጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኲሉ ብህይወት ኪነብር እዩ።
10. ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ኪቘሙ፡ ካብ ዔን ገዲ ኽሳዕ ዔን ኤግላይም መዘርግሒ መርበብ ኪኸውን እዩ። ዓሳታት፡ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፡ በብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣብኡ ኺህልዉ እዮም።
11. ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኺነብር እዩ እምበር፡ ኣይኪጥዕን እዩ።
12. ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኲሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቊል እዩ። ኣቚጽልቱ ኣይኪጽምሉን፡ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እሮኡ ዚፍልፍል እሞ፡ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፡ ፍሬታቱ ንምግቢ፡ ኣቚጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።
13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፡ ወሰናታ እዚ እዩ፡ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኺረክብ እዩ።
14. እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ።
15. ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፡ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃትሎን ኣቢሉ፡ ክሳዕ ጻዳድ፡
16. ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት፡ ቤሮታ፡ ሲብራይም፡ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር ሓቲክን ድማ።
17. እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻርዕናን ወሰን ደማስቆ ኪኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዮ።
18. ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስ እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ።
19. እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፡ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዜብል ወገን ደቡብ እዩ።
20. እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ።
21. ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ።
22. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዚነብሩ፡ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዚወልዱ ጓኖትን ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ኪዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኺርስተዩ እዮም።
23. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ነቲ ጓና ኣብታ ዚነብረላ ነገድ፡ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (47/48)