Ezekiel (44/48)  

1. ድሕርዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፡ ዕጽውቲ ኸኣ እያ።
2. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፡ ኣይትከፈት፡ ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር።
3. እቲ መስፍንሲ፡ መስፍን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጌራ ኺበልዕ፡ ኣብኣ ኪቕመጥ እዩ። ንሱ ብመገዲ ገበላ እታ ደገ ኺኣቱ ብእኣ ኣቢሉውን ኪወጽእ እዩ።
4. ድሕርዚ ድማ ብመገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፡ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምጽኣኒ። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
5. እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ዂሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄርን ኲሉ ሕጋጋታን ዝነግረካ ዘሎኹ፡ ልብኻ ኣውድቐሉ፡ በዒንትኻ ተመልከቶ፡ በእዛንካ ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን ንዂሉ መውጽኢ እታ ቤት መቕደስን ኣጸቢቕካ ኣስተብህለሉ።
6. ነዞም ዓለውቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ርኽሰትኩም ዘበለ ዂሉ ይእከልኩም።
7. እንጌራይን ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸሎኹም፡ ንቤተይ ኬርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገዝረ፡ ስጋኦምውን ዘይተገዝረ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዎም ኢኹም እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዂሉ ጽያፍኩም ኪዳነይ ኣፍረሱ።
8. ኣብታ መቕደሰይ ንእኦም ኣብ ክንዳኹም ንኣገልግሎተይ መዘዝኩምዎም እምበር፡ ነቲ ቅዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን።
9. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፡ ልቡ ዘይተገዝረ፡ ስጋኡውን ዘይተገዝረ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ።
10. እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሐቑ፡ ንጣኦታቶም ኪስዕቡስ ካባይ ዝረሐቑ ሌዋውያን ግና ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም።
11. ኣብ ደጌታት እታ ቤት ከኣ ሓለውቲ ኪዀኑ፡ ኣብታ ቤት ኬገልግሉስ፡ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ኪሐርዱ፡ ምእንቲ ኼገልግልዎም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኪቘሙ እዮም።
12. ኣብ ቅድሚ ጣኦቶም ኣገልጊሎምዎም፡ ንቤት እስራኤል ከኣ ናብ ኣበሳ ኣዐንቂፎምዎም እዮም እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም ኣበሳኦም ኪጾሩ እዮም ኢለ ኢደይ ኣልዐልኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13. ንሳቶም ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገበርዎ ጽያፎምን ደኣ ኺጾሩ እዮም እምበር፡ ብመዓርግ ክህነት ኬገልግሉኒ፡ ኣብቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪቐርቡስ ናባይ ኣይኪቐርቡን እዮም።
14. ንዂሉ ዕዮኣን ነቲ ኣብኣ ዚግበር ዘበለ ዂሉን ሓለውቲ እታ ቤት ኪዀኑ ኽምዝዞም እየ።
15. እቶም፡ ደቂ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፡ ንምሕላው መቕደሰይ እተጸምዱ ኻብ ወገን ሌዋውያን ዝዀኑ ኻህናት ደቂ ጻዶቅ፡ ኬገልግሉኒ ኢሎም ኪቐርቡኒ፡ ስብሕን ደምን ኪስውኡለይ ኣብ ቅድመይ ዚቘሙ እዚኣቶም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16. ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ኪኣትዉ፡ ኬገልግሉንስ ናብ መኣደይ ኪቐርቡ፡ ንኣገልግሎተይውን ኪምዘዙ እዮም።
17. ብደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ኣልባሳት ኪለብሱ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኣብ ውሽጥን ኬገልግሉ ኸለዉ ገለ ናይ ጸጒሪ ኣይኪኽደኑን እዮም።
18. ኣብ ኣራእሶም ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ወሽ ኪጥምጥሙ፡ ኣብ ሕቚኦምውን ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኺዕጠቑ፡ ዜርህጽ ነገር ኣይኪዕጠቑን እዮም።
19. ናብ ወጻኢ ኣጸድ፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ህዝቢ ኺወጹ ኸለዉ፡ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ኸይቅድስዎስ፡ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ኬውጽእዎ፡ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከኣ ኬንብርዎ፡ ካልእ ክዳውንቲውን ኪኽደኑ እዮም።
20. ነቲ ጸጒሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፡ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፡ ጸጒሮም ድማ ኣይኬንውሑን እዮም።
21. ካህን ዘበለ ዂሉ ናብቲ ውሽጥሕ ኣጸድ ኪኣቱ ኸሎ፡ ወይኒ ኣይኪሰትን እዩ።
22. ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።
23. ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ኪምህርዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ኬፍልጥዎ እዮም።
24. ኣብ ምጒት ፈራዶ ዀይኖም ኪቘሙ፡ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዂሉ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ኪፈርዱ እዮም። ብዂሉ በዓላት ዓመተይ ንሕጋጋተይን ንስርዓተይን ኪሕልዉ፡ ሰናብተይውን ኪቕድሱ እዮም።
25. ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ፡ በቦን ኣደን፡ ብወድን ጓልን፡ ብሓውን ብዘይተኣትወት ሓብትን ጥራይ ይርከሱ።
26. ድሕሪ ምንጻሁ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይቚጸሩሉ።
27. በታ ኣብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣብ መቕደስ ኬገልግል፡ ኣብ መቕደስ ዚኣትወላ መዓልቲ ኸኣ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
28. ርስቲ ይኹኖም፡ ኣነ እየ ርስቶም። ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሀብዎም፡ ግዲኦምሲ ኣነ እየ።
29. ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ይብልዕዎ። እስራኤል ዝሐረምዎ ዘበለውን ንኣታቶም ይኹን።
30. በዂሪ ዂሉ ፍርያትኩምን፡ ኲሉ መባእኩም፡ ዝዀነ ይኹን መባእ ዘበለን ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኺሐድራስ፡ በዂሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሀቡ።
31. እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይስ ካብ ከብቲ ዝሐለቐን እተሰብረን ኣይብልዑ።

  Ezekiel (44/48)