Ezekiel (43/48)  

1. ድሕርዚ ናብታ ደገ፡ ናብታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ኣውጽኣኒ።
2. እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መጸ። ድምጹ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፡ ምድሪውን ብኽብሩ በርሄት።
3. እቲ ኣነ ዝርኤኽዎ ራእይ ድማ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መጻእኩ ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ራእይ እዩ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ።
4. ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ ናብታ ቤት ኣተወ።
5. መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፡ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ከኣ ኣእተወኒ፡ እንሆውን፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ።
6. ኣነ ኸኣ ካብታ ቤት ሓደ ኺዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፡ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።
7. በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እታ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ንሓዋሩ ዝነብረላ ቦት ዝፋነይን እግረይ ዚረግጻ ቦታን እዚኣ እያ። ቤት እስራኤል፡ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቅዱስ ስመይ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን ኣብቲ በረኽቲ ቦታኦም ድሕርዚ ኣይኬርክስዎን እዮም።
8. መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን መንጎኦምን ክሳዕ ዚኸውን፡ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፡ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ። በዚ ዝገበርዎ ጽያፍ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ፡ ስለዚ ድማ ብቚጥዓይ ኣጥፋእክዎም።
9. ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታቶምን ካባይ ኬርሕቑ እዮም፡ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ።
10. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብኣበሳኦም ኪሐፍሩስ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፡ ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ኣለክዓዮም።
11. በቲ ዝገበርዎ ዂሉ እንተ ሐፈሩስ፡ ምስላን ስርዓታን ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኺሕልውዎን ኪገብርዎን፡ ምስሊ እታ ቤትን ኣሰራርዕኣን ነቲ መውጽኢኣን መእተዊኣን ኲሉ ምስላን ኲሉ ስርዓታን፡ ኲሉ ምስላን ኲሉ ሕጋጋታን ኣፍልጦም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሐፎ።
12. ሕጊ እታ ቤት ድማ እዚ እዩ፡ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ከረን ኣብ ኲሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ፡ እንሆ፡ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ።
13. ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመትሲ እዚ እዩ፡ እታ እመት ከኣ እመትን ስድርን እያ፡ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ብዘሎ ዙርያ ኸንፈራውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ። እዚ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ።
14. ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕታይ ሕዳግ ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ታሕታይ ሕዳግ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱስን ሓደ እመት እዩ።
15. እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፡ ካብቲ መእጐድ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ።
16. እቲ ናይ መሰውኢ መኣጐድ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተው ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዓሰርትው ክልተ እመት እዩ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ ማዕረ እዩ።
17. እቲ ሕዳግ ከኣ በርባዕተ ወገኑ ምንዋሑ ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱውን ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸንፈር ድማ ፈረቓ እመት፡ እግሩ ኸኣ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ። ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።
18. በለኒ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መስዋእቲ ምሕራር ኣብኡ ምእንቲ ኬቕርቡ፡ ደም ከኣ ኣብኡ ኺነጽጉስ። በቲ ዚስርሓሉ መዓልቲ፡ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዚ እዩ፡
19. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ኬገልግሉኒ ኢሎም ዚቐርቡኒ፡ ካብ ዘርኢ ጻዶቅ ዝዀኑ ሌዋውያን ካህናት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ።
20. ንስኻ ድማ ካብቲ ደሙ ኽትወስድ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን ኣርብቲ ኣርባዕተ መኣዝን ሕዳጋትን ኣብቲ ኸንፈሩን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በዚ ኸምዚ ኸተጽርዮን ከተትዐርቖን ኢኻ።
21. ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፡ ኣብ ወጻኢ መቕደስ፡ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ኪነድድ እዩ።
22. ብኻልኣይ መዓልቲ ኸኣ ጒድለት ዜብሉ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ኢኻ። ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘጽረይዎ፡ ነቲ መሰውኢ ኼጽርይዎ እዮም።
23. ምጽራዮም ምስ ፈጸምካ፡ ጒድለት ዜብሉ ዝራብዕ፡ ካብ ኣባጊዕውን ጒደሎ ዜብሉ ድዑል ከተቕርብ ኢኻ።
24. ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተቕርቦ ኢኻ፡ እቶም ካህናት ድማ ጨው ኪንስንሱሎም፡ መስዋእቲ ምሕራር ከኣ ንእግዚኣብሄር ኬቕርቡሉ እዮም።
25. ሾብዓተ መዓልቲ ዕለተ ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዚኸውን ድቤላ ኸተቕርብ ኢኻ። ጒድለት ዜብሎም ዝራብዕን ካብ ኣባጊዕ ድማ ድዑልን ኪስውኡ እዮም።
26. ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኼተዐርቕዎን ኬንጽህዎን ኪጽምብልዎን እዮም።
27. እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ተፈጸማ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልትን ብድሕሪኣን እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንመስዋእቲ ምሕራርኩምን ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ኬቕርቡ እዮም። ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (43/48)