Ezekiel (41/48)  

1. ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ። ነቲ ዓንዲ ሰቕሰቕውን ኣመቶ፡ እቲ ወርዱ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፡ ሹድሽተ እመት በዚ፡ ሹድሽተ እመት ከኣ በቲ ዀነ።
2. ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ገንዚ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ እዩ። ምንዋሓ ኣርብዓ እመት፡ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመተ።
3. ድሕርዚ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ ንሰቕሰቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፡ ነታ ኣፍ ደገ ኸኣ ሹድሽተ እመት፡ ወርዲ እታ ኣፍ ደገውን ሾብዓተ እመት ኣመቶ።
4. ነቲ ቕድሚ መቕደስ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዕስራ እመት ኣመቶ። እዚኣ እታ ቅድስተ ቅዱሳን እያ። ከኣ በለኒ።
5. ድሕርዚ መንደቕ እታ ቤት ሹድሽተ እመት ኣመተ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዂሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ወርደን ኣኣርባዕተ እመት ኣመተ።
6. እተን ብጎቦታታ ዝነበራ ኽፍሊ ኣባይቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰለስተ ደርቢ ዘለወን ሰላሳ እየን። ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተጸግዓስ፡ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ኪጽግዓ፡ ኣብኡ ተጋጢመን እየን።
7. ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ ዚዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፡ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወጸሉ መጠን እናገፍሔ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ ምግፋሕ እታ ቤት ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ። ከምኡውን ካብ ታሕትስ ንላዕሊ ብማእከላይ ኣቢሉ መደየቢ ኣለዋ።
8. ኣነ ኸኣ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ርኤኹ። እቲ መሰረታ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ በታ ወምብቆ ሹድሽተ እመት ልክዕ እዩ።
9. እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሀንጸሉ መንደቕ፡ ወርዱ ብወጻኢ ሓሙሽተ እመት እዩ። ኣብ መንጎ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት ኣሎ።
10. ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ብዙርያ እታ ቤት ዔዕስራ እመት እዩ።
11. ደጌታት እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ናብቲ ንኣምፉ ዚነብር ቦታታት፡ ሓንቲ ደገ ንሰሜን፡ ሓንቲ ኸኣ ንደቡብ ኣቢለን እየን። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ኸኣ ብዙርያኡ ወርዱ ሐሓሙሽተ እመት እዩ።
12. እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ሕዳግ እተሀንጸ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት እዩ። ናይቲ እተሀንጸ ገንዚ መንደቕ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት እዩ፡ ምንዋሑ ኸኣ ተስዓ እመት እዩ።
13. ነታ ቤት ድማ ኣመታ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኰነት። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን እቲ ህኑጽን መንደቑን ከኣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኰነ።
14. ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ንኣምፊ ዘሎ ቦታ፡ ወርዱ ሚእቲ እመት እዩ።
15. ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ንኣምፉ ዝዀነ ቦታ ኽሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንጻን፡ ነቲ በዝን በትን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኰነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ኣጸድን፡
16. መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተገብረ መሳዂትን እቲ ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደርብታት ዘሎ መተሓላለፍን ኣንጻር እቲ ልዳት፡ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዂቲ ብዙርያኡ ብሉሕ ተኸዲኑ እዩ፡ እቲ መሳዂቲ ድማ ክዱን እዩ።
17. ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፡ ብወጻእን ብዙርያ ዂሉ እቲ መንደቕን፡ ብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ።
18. ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤልን ከኣ ሓንቲ ስየ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ ኣለዎ።
19. ነታ ስየስ ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፡ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዂሉ ዙርያአ ኸምኡ ተገይርዋ እዩ።
20. ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐጽዎ ኣሎ። እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ።
21. ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ እዩ። ገጽ እታ ቅድስቲ ቦታ ድማ ትርኢቱ ኸምኡ እዩ።
22. እቲ መሰውኢ ድማ ካብ ሉሕ እተገብረ እዩ። ቊመቱ ሰለስተ እመት፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት እዩ። መኣዝን ከኣ ኣለዎ፡ ግድጊዳኡ ኸኣ ሊሕ እዩ። ንሱውን፡ እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ መኣዲ እያ፡ በለኒ።
23. ነታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን ክልተ ማዕጾ ኣለዋኤን።
24. ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፡ ኣብ ከክልተ ዚዕጸፍ መቃን፡ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፡ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋኤን።
25. ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፡ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን ኣሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጒድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ።
26. ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዂትን ስየን ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ።

  Ezekiel (41/48)