Ezekiel (40/48)  

1. ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፡ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ ኸተማ ኻብ እትተሓዝ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመታ፡ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጸት፡ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ።
2. ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ፡ ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ።
3. ንብኣ ኸኣ ወሰደኒ፡ እንሆ ድማ፡ ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ገመድን ዚእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብታ ደገውን ደው ኢሉ ነበረ።
4. እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ናብዚ ተመሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ኣብ ዝርእየካ ዘበለ ዂሉ በዒንትኻ ጠምቶ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፡ ብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኤኻዮ ዂሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ በለኒ።
5. እንሆ ኸኣ፡ ነታ ቤት ብወጻኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ምንዋሓ ሹድሽተ እመት እያ። እተን እመት ድማ ኤእመትን ስድርን እየን። ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነ፡ ቊመቱውን ሓንቲ ሻምብቆ።
6. ድሕርዚ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መጸ፡ ብደረጃታታ ኸኣ ደየበ። ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፡ ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት፡ እታ ኻልኣይቲውን ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ።
7. ነፍሲ ወከፍ እቃቤት ከኣ ምንዋሓ ሓንቲ ሻምብቆ፡ ወርዳ ድማ ሓንቲ ሻምብቆ እያ። ምርሕሓቕ እተን እቃቤታት ከኣ ሐሓሙሽተ እመት እዩ። እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት።
8. ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆውን ኰነ።
9. ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፡ ሾሞንተ እመት ከኣ ዀነ። ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ድማ ከክልተ እመት ኰነ፡ ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ እዩ።
10. እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዜብል ደገ እቃቤታ ሰለስተ በዚ ሰለስተ ድማ በቲ እየን። ሰለስቲኤን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን፡ እተን ኣዕኑድ ከኣ በዝን በትን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን።
11. ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኣመቶ፡ ዓሰርተ እመት ከኣ ዀነ። ምንዋሕ እታ ደገ ድማ ዓሰርተው ሰለስተ እመት ኰነ።
12. ኣብ ቅድሚ እተን እቃቤታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዚ ሓንቲ እመትውን በቲ እዩ። እተን እቃቤታት ከኣ በዚ ወገን እዝን በቲ ወገን እትን ሸሹድሽተ እመት እዩ።
13. ነታ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ እቃቤት ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልኣይቲ ኣመተ፡ ወርዱ ኸኣ፡ ካብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኰነ።
14. ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ዓንዲ ኣጸድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ።
15. ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት እዩ።
16. ኣብተን እቃቤታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕኑድን ብዂሉ ዙርያኤን ዓይነ ርግቢ ዘለዎ መሳዂቲ ነበረን። ከምኡውን ኣብተን ገበላታት ብወገን ውሽጢን ብዂሉ ዙርያኤን መሳዂቲ ነበረን። ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕኑድ ከኣ ስየታት ነበረ።
17. ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኽፍልታት ኣባይቲ ነበረ፡ ዙርያ እቲ ኣጸድውን ብእምኒ ተነጺፉ ነበረ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ።
18. እቲ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ ኣብ ጥቓ ደጌታት እዩ፡ ልክዑ ኸኣ ከም ምንዋሕ እቲ ደጌታት እዩ። እዚ እቲ ታሕታይ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ እዩ።
19. ካብ ቅድሚ እታ ታሕተይቲ ደገ ሒዙ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወጻኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፡ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከኣ መሚእቲ እመት እዩ።
20. ነቲ ንሰሜን ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመተ።
21. እቃቤታቱ ሰለስተ በዚ፡ ሰለስተ ኸኣ በቲ ስፍሪ እታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ምንዋሑ ሓምሳ እመት፡ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
22. መሳዂታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
23. ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ድማ በንጻር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዚርእያ ደጌታት እያ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
24. ድሕርዚ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሓኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ደቡብ እትርኢ ደገ እያ። ነዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመተን።
25. ከምተን መሳዂቲ ኸኣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዂቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
26. መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዱ ኸኣ ስየታት፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ነበረ።
27. እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
28. በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣእተወኒ። ነታ ደገ ድቡብ ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ።
29. እቃቤታታን ኣዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዂቲ ኣለዋ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
30. ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ኣሎ።
31. ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ሰቕሰቑ ኸኣ ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኡ ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
32. ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ኣጸድ ወሰደኒ እሞ ነታ ደገ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኣመታ።
33. እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ፡ ኣብአን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዂቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እያ።
34. ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ድማ ስየታት በዝን በትን ኣሎ። መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
35. ናብ ሰሜናዊት ደገ ወሰደኒ፡ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኸኣ ኣመቶ፡
36. እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ከኣ ከምኡ፡ መሳዂቲውን ብዙርያኣ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ።
37. ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ፡ ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ኸኣ በዝን በትን ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
38. ኣብ ጥቓ እተን ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ደጌታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ። ኣብኣውን መስዋእቲ ምሕራር ይሐጽቡ ነበሩ።
39. ኣብታ ገበላ ደገ ኸኣ፡ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ዚሐርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዚ፡ ክልተ ሰደቓ ድማ በቲ ኣሎ።
40. ኣብ ጥቓ እቲ ብወጻኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዜደይብ መደያይቦ ኸኣ ክልተ ሰደቓ ኣሎ፡ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ክልተ ሰደቓ ኣሎ።
41. እምበኣርስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓ በዚ፡ ኣርባዕተ ሰደቓ ኸኣ በቲ ኣሎ። እዚ መስዋእቲ ዚሐርዱሉ ሾሞንተ ሰደቓ እዩ።
42. ንመስዋእቲ ምሕራር ዚኸውን ካብ ውቑር እምኒ እተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓ ኣሎ። ምንዋሑ እመትን ስድርን፡ ወርዱ እመትን ስድርን፡ ምብራኹ ሓደ እመት እዩ። ኣብኡውን ነቲ ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእትን ዚሐርዱሉ መሳርያ ዚንበሮ እዩ።
43. ሰስድሪ ዝምንዋሑ ኲላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ኣሎ። እዚ ሰደቓታት እዚ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዚንበሮ እዩ።
44. ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣብ ውጻኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸኣ ንመዘምራን እተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣላ፡ ገጻ ድማ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ኣላ፡ ገጻ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ።
45. ንሱውን በለኒ፡ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ነቶም ነታ ቤት ኬገልግሉ እተመዘዙ ኻህናት እያ።
46. እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኼገልግሉ ዚነቕሑ ኻህናት እያ። ንሳቶም ኬገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻብ ደቂ ሌስ ደቂ ጻዶቅ እዮም።
47. ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣጸድ ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሚእቲ እመት፡ ወርዱውን ሚእቲ እመት እዩ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዘሎ።
48. ናብ ገበላ እታ ቤት ከኣ ወሰደኒ፡ ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፡ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመትውን በቲ እዩ። ወርዲ እታ ደገ ኸኣ ሰለስተ እመት በዚ፡ ሰለስተ እመት በቲ እዩ።
49. ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፡ ወርዲ ኸኣ ዓሰርተው ሓደ እመት እዩ፡ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ከኣ ሓደ በዚ፡ ሓደውን በቲ ኣዕኑድ ኣሎ።

  Ezekiel (40/48)