Ezekiel (4/48)  

1. ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጡብ ውሰድ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፡ ማለት የሩሳሌም ስኣለሉ።
2. ክቢ ኽበባ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕ፡ ዕርዲ ዕረዳ፡ ሰፈር ኣስፍረላ፡ ብዂሉ ዙርያኣ ድማ ደዓውል ግበር።
3. ንስኻ ኸኣ መቚሎ ሓጺን ወሲድካ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፡ ክብብቲ ትኹን፡ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።
4. ደሓር ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፡ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፡ ክንዲ ቚጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ።
5. ኣነ፡ ድማ ዓመታት ኣበሳኦም ብቚጽሪ መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ገይረልካ ኣሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ።
6. እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ። ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣሎኹ።
7. ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ።
8. እንሆ፡ ብገመድ ቀጥ ኤብለካ፡ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ።
9. ንስኻ ስርናይን ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ውሰድ፡ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፡ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፡ ብቚጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቕሰለን መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ።
10. እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትበልዖ ኢኻ።
11. ማይውን ብመስፈሪ፡ ሳድሰይቲ ኣፍ ሂን፡ ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ጊዜ ኽሳዕ ጊዜ ኽትሰትዮ ኢኻ።
12. ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፡ ኣብኡ ኸም ቅጫ ስገም ክትበልዖ ኢኻ።
13. እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደቂ እስራኤልሲ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፡ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ኪበልዑ እዮም፡ በለ።
14. ሽዑ ኣነ፡ ወዮ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሐለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፡ ፍንፋን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን፡ በልኩ።
15. ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ ኣሎኹ፡ ብእኡ ጌርካ እንጌራኻ ኸተብስል ኢኻ፡ በለኒ።
16. መሊሱውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ፡ ንማይ ከኣ ብመስፈርን ብትካዘን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሃደ ዀይኖም ኪትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪጠፍኡ እዮም፡ በለኒ።
17. መሊሱውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ኪስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ፡ ንማይ ከኣ ብመስፈርን ብትካዘን ኪሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሃደ ዀይኖም ኪትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ኪጠፍኡ እዮም፡ በለኒ።

  Ezekiel (4/48)