Ezekiel (39/48)  

1. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጎግ ተነበየሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ እኔኹ፡ ከራኻኽበልካ እየ።
2. መሪሔን ደሪኸን ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ፡ ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ።
3. ንቐስትኻ ኻብታ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፡ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ።
4. ንስኻ ምስ ኲሉ ጭፍራኻን ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክትወድቕ ኢኻ። ኪበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዝዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ።
5. ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6. ኣብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ሀዲኦም ዚንበሩ ዘለዉን ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
7. እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ እየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
8. እንሆ ይመጽእ፡ ኪኸውን ድማ እዩ። እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9. እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዚነብሩ ዘለዉ ድማ ኪወጹ እዮም እሞ፡ ኣጽዋርን ዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላጻታትን ኣጒማድን ኲናውትን ሓዊ ኣጒዶም ኬንድድዎ እዮም። ሾብዓተ ዓመትውን ብእኡ ሓዊ ኼንድዱ እዮም።
10. በቲ ኣጽዋር ገይሮም ሓዊ ኺኣጒዱ እዮም እሞ፡ ካብ መሮር ዕጨይቲ ኣይክኣትዉን፡ ካብ ዱር ከኣ ኣይኪቘርጹን እዮም። ነቶም ዝገፈፍዎም ኪገፍዎም፡ ነቶም ዝዘመትዎም ከኣ ኪዘምትዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11. በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ምብራቕ ባሕሪ ዘሎ፡ ለሰ ሓለፍቲ መገዲ ዚበሀል ቦት መቓብር ክህቦ እየ። ነቶም ብእኡ ዚሐልፉ ኸኣ መገዶም ኪዐጽወሎም እየ። ኣብኡውን ንጎግን ንዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቡን ኪቐብርዎም እዮም። ለሰ ሃሞናጎግ ድማ ኪበሀል እዩ።
12. ቤት እስራኤል ከኣ፡ ነታ ሃገር ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ብሾብዓተ ወርሒ ኪቐብርዎም እዮም።
13. ኲሉ ህዝቢ እታ ሃገር ኪቐብሮም እዩ። እዚውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ ንስም ኪዀኖም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
14. ምእንቲ ኼጽርዩስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዚጸንሑ ኪቐብሩ፡ ምስቶም ቀባሮ ዀይኖም ነታ ሃገር ከየቛረጹ ዚዞርዋ ሰብኡት ኬመቕርሑ እዮም። ድሕሪ ሾብዓተ ወርሒ ሃለው ኪብሉ እዮም።
15. እቶም እናዞሩ በታ ሃገር ዚሐልፉ፡ ሓደ ኻብኦም ዓጽሚ ሰብ እንተ ረኣየ፡ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሃሞናጎግ ክሳዕ ዚቐብርዎ፡ መሓበርታ ኺገብረሉ እዩ።
16. ስም እታ ኸተማ ኸኣ ሃሞና ኺበሀል እዩ። በዚ ኸምዚ ነታ ሃገር ኬጽርይዋ እዮም።
17. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዂለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ንዂሎም ኣራዊት መሮርን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ተኣኻኺብኩም ንዑ። ስጋ ኽትበልዑ ደም ከኣ ክትሰትዩስ፡ ናብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ፡ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ካብ ኲሉ ወገን ተኣኻኸቡ።
18. ስጋ እቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፡ ደም እቶም መሳፍንቲ ምድሪ ኽትሰትዩ ኢኹም። ናይ መኻክትን ገናሽልን ድቤላታትን ኣብዑርን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም።
19. ካብቲ ኣነ ዝሐረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ ክሳዕ እትጸግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፡ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም።
20. ኣብ መኣደይ በፍራስን ብፈረሰኛታትን ብጀጋኑን ብዂሎም እቶም ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21. ኣነ ኸኣ ግርማይ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክገልጽ እየ። ኲሎም ህዝብታት ድማ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርደይን ነታ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበርክዋ ኢደይን ኪርእዩ እዮም።
22. ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
23. እቶም ህዝብታት ከኣ፡ ቤት እስራኤል ብሰሪ ኣበሳኦም ከም እተማረኹ ኺፈልጡ እዮም። ንኣይ ጠሊሞም እዮም እሞ፡ ገጸይ ከወልኩሎም፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ወፌኽዎም፡ ኲላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ።
24. ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን መጠን ገበርክዎም፡ ገጸይ ከኣ ከወልኩሎም።
25. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፡ ንዂላ ቤት እስራኤል ከኣ ክምሕራ፡ ስለ እቲ ቅዱስ ስመይ ድማ ክጽዕት እየ።
26. ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጻላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡ፡ ነውሮምን ንኣይ ዝጠለምዎ ዂሉ ጥልመትን ኪጾሩ እዮም።
27. ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጻላእቶምውን ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዜፍርሆም ዜብሎም ኣብ ሃገሮም ሀዲኦም ምስ ተቐመጡ፡ ነውሮምን ንኣይ ዝጠለምዎ ዂሉ ጥልመትን ኪጾሩ እዮም።
28. ኣነ ናብ ማእከል ህዝብታት ኣማሪኸዮም ነይረስ፡ ድሕርዚ ኸኣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣብኣ ኸየትፈፍኩ ናብ ሃገሮም ምስ ኣኻኸብክዎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
29. መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ምስ ከዖኹ፡ ድሕሪ ደጊም ገጸይ ኣይክኽውለሎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (39/48)