Ezekiel (38/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፡ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ መልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ፡
3. በልውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን ኣብ ክሳድካ ኣሎኹ።
4. ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።
5. ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።
6. ጎሜርን ኲሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ስሜንን ኲሉ ጭፍራኡን፡ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም።
7. ተዳሎ፡ ንስኻን ኲሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፡ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።
8. ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፡ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፡ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፡ ኲላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ።
9. ንስኻ ኽትድይብ፡ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፡ ንስኻ ምስ ኲሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብብ ደበና ኽትከውን ኢኻ።
10. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፡ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ
11. እሞ፡ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፡ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፡ ኲላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፡ ክትብል ኢኻ።
12. ክትማርኽን ክትብዝብዝን፡ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፡ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፡ ካብ ህዝብታት እተኣከበ፡ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።
13. ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኲር ኣናብሱን፡ ምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካ ዘመተ ኽትዘምት፡ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፡ ከብትን ሃብትን ክትሕዝ፡ ብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም፡ ኪብሉኻ እዮም።
14. ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣይክትፈልጦን ዲኻ፡
15. ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኲላ ቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ።
16. ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፡ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፡ ኣብተን ዳሕሮት በዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቶም ህዝብታት፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ኣስ ተቐደስኩ፡ ኪፈልጡንስ፡ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ።
17. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኦም ከም ዘምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡
18. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኽውን እዩ፡ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፡ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፡ ይብል ኣሎ።
19. ብቕንኣተይን ብሓዊ ቚጥዓይን እብል ኣሎኹ፡ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኽውን እዩ።
20. እዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኲሉ ኣብ ምድሪ ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዂሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥ፡ኣኻውሕ ኪፈርስ፡ ኲሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ።
21. ኣነ ድማ ኣብ ኲሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኽውን እዩ።
22. ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለው ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ።
23. በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (38/48)