Ezekiel (37/48)  

1. ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፡ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ።
2. ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፡ እንሆውን፡ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ።
3. ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ኢለ መለስኩ።
4. ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፡ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ በለኒ።
5. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም።
6. ጅማውቲ ኸንብረልኩም፡ ስጋ ኽገብረልኩም፡ ብቘርበት ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
7. ከምቲ እተኣዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹ። ክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፍኒሕኒሕ ኰነ፡ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበ።
8. እንሆ ኸኣ፡ ጅማውትን ስጋን ኪወጾም፡ ቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፡ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን።
9. ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ንንፋስ ተነበየሉ፡ ንንፋስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣታ ትንፋስ፡ እዞም ቅቱላት ህያዋን ኪዀኑስ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ በለኒ።
10. ኣነ ኸኣ ከምቲ ዝኣዘዘኒ ተነቤኹ፡ ትንፋስ ድማ ኣተዎም። ህያዋን ኰኑ፡ በእጋሮም ከኣ ቘሙ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ።
11. ሽዑ ንሱ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዂላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፡ ንሳቶም፡ ዓጻጽምትና ነቐጸ፡ ተስፋና ተቐብጸ፡ ንሕና ጠፊእና ኢና፡ ይብሉ ኣለዉ።
12. ስለዚ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፡ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወኩም እየ።
13. ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ከኣ ምስ ኣውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
14. መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
16. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሐፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኲላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሐፈሉ።
17. ሓደ ዕጨይቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ። ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ኪኸውን እዩ።
18. እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፡ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፡
19. ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፡ ኣብ ኢደይ ሓደ ኪዀኑስ፡ ሓደ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ።
20. እቲ ዝጸሐፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ኪኸውን እዩ።
21. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶ ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፡ ካብ ኲሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ።
22. ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፡ ንዂላቶም ሓደ ንጉስ ኪነግሶም እዩ፡ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይኪዀኑን፡ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይኪምቀሉን እዮም።
23. ድሕሪ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዂሉ ኣበሳኦምን ኣይኪረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኲሉ እቲ ሓጢኣት ዚገብሩሉን ዚነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
24. ዳዊት ባርያይ ከኣ ኪነግሶም፡ ንዂላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ኪዀኖም እዩ፡ ብፍርደይ ከኣ ኪመላለሱ፡ ንሕጋጋተይውን ኪሕልውዎን ኪገብርዎን እዮም።
25. ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሀብክዎ፡ ኣቦታትኩም ከኣ ዝነበርዋን ሃገር ኪነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኺነብሩ እዮም፡ ዳዊት ባርያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖም ኪኸውን እዩ።
26. ኪዳን ሰላም ከእትወሎም እየ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ኪዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቚም እየ።
27. ማሕደረይ ምሳታቶም ኪኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም።
28. መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ፡ እቶም ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዚቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (37/48)