Ezekiel (36/48)  

1. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ከኣ በሎም።
2. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ጸላኢ፡ ኣሰይ፡ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፡ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡
3. ስለዚ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገር፡ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ንሳቶም ብዂሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ወሒጦምኹምን፡ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፡
4. ስለዚ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዂድዂዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሀድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፈ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡
5. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሐጒሶም፡ ብነፍሶም ንዒቖም፡ ዘመተ ኽትከውንሲ፡ ነታ ሃገረይ እተረስተይዋ ተረፍ ህዝብታትን፡ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ።
6. እምበኣርሲ ነኽራንን ንዂድዂዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፡ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ብዛዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ።
7. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፡ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ኪስከሙ እዮም።
8. ግናኸ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ናባኻትኩምውን ክብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፡ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብ፡ ፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ።
9. ግናኸ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ናባኻትኩምውን ክብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፡ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ኪጭብጭብ፡ ፍሬኹም ከኣ ኪፈሪ እዩ።
10. ኣባኻትኩም ንዂላ ብዘላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሓላ እየ። ከተማታት ኪስፈር፡ ዑናታት ድማ ኪሰራሕ እዩ።
11. ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፡ ንሳቶም ድማ ኪባዝሑን ኪፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፡ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም።
12. ንሰብ፡ ህዝበይ እስራኤል፡ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ኪወርሱኻ እዮም፡ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢኻ፡ ድሕርዚውን ውሉድ ዜብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ።
13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብ በሊዕኪ፡ ንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዜብሉ ጌርክዮ ኢኺ፡ ይብሉኹም ኣለዉ እሞ፡
14. ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕን፡ ንህዝብኺውን ውሉድ ዜብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን እየ፡ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፡ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
17. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፡ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ።
18. ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዐውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኲራይ ከዖኹሎም።
19. ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፡ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፡ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም።
20. ብዛዕባኦም ከኣ፡ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፡ ካብ ሃገሩውን ወጺኦም፡ እናተባህለስ፡ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ።
21. ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝኣተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሐፍክዎ።
22. ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣቶኹምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እዩ እምበር፡ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ።
23. ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፡ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24. ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፡ ካብ ኲሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፡ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ።
25. ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኲሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኲሎም ጣኦታትኩምን ከጽርዩአኩም እየ።
26. ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።
27. ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዘይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ ከሐልወኩምን ከግብረኩምን እየ።
28. ኣብታ ነቦታትኩም ዝሀብክዋ ሃገር ክትነብሩ፡ ህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ።
29. ካብ ኲሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩም፡ ንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፡ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ።
30. ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፡ ፍረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ።
31. ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባርኩምን ክትዝክሩ፡ ብሰሩ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም።
32. እቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፡ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩን፡ ይብል እግዚኣቢሄር ኣምላኽ።
33. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኲሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፡ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዚነብረን፡ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዚስራሕ ክገብር እየ።
34. እታ ዝባደመት ምድሪ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፡ ክትሕረስ እያ።
35. ሽዑ ኸኣ፡ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤድን ኰነት፡ እተን ዝባደማን ዝዐነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዐርዳን፡ ሰብ ዚነብሩለንን ኰና፡ ኪበሀል እዩ።
36. እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፡ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኺፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ።
37. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስናይ እዚ፡ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎምሲ ኽልመነሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ።
38. ከምተን እተቐደሳ መጓሰ፡ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ኪመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (36/48)