Ezekiel (34/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፡ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ
3. ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፡ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን።
4. ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፡ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፡ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፡ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን።
5. ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፡ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፡ ፋሕውን በላ።
6. ኣባጊዔይ ኣብ ኲሉ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ነነዋሕቲ ዂርባታትን ተባረራ፡ ኣብ ኲሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፡ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን።
7. ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስሞዑ፡
8. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣባጊዔይ ከኣ ንዂሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፡ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፡ ጓሶተይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፡ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፡ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፡
9. ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡
10. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እንሆ፡ ኣብቶም ጓሶት እጥልቅ አሎኹ፡ ኣባጊዔይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፡ ጒስነት ኣባጊዔይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፡ ካብ ኣፎም ክምንዝዔን እየ፡ ይብል ኣሎ።
11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፡ ኣነ ነተን ኣባጊዔይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ።
12. ከምቲ ጓሳ፡ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልየን፡ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፡ ካብ ኲሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ።
13. ካብ ህዝብታት ከውጽኤን፡ ካብ ሃገራት ክእክበን፡ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዚነብረሉ ዂሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ።
14. ኣብ ልሙዕ መጓሰዪ ኸውፍረን እየ፡ ደምቢኤን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኺድቅሳ፡ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ኪጓሰያ እየን።
15. ኣነ ባዕለይ ነባጊዔይ ከውፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16. ዝጠፍኤት ክደሊ፡ እተባረረት ክመልስ፡ እተሰብረት ክዘንን፡ ዝሐመቐት ከኣ ከጽንዕ፡ ነታ ዝሰብሔት ዝበርትዔትን ግና ከጥፍእ፡ ብፍርዲውን ክጓስየን እየ።
17. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣትን ኣባጊዔይ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ።
18. ነቲ ኻብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፡ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒዱኩም እዩ ነቲ ዝተረፈ ማይ በእጋርኩም እትዘርግዎስ፡ እቲ ጽሩይ ማይ ምስታይዶ ውሒዱኩም እዩ
19. እሞ እተን ኣባጊዔይሲ እቲ በእጋርኩም እተረግጸዶ ኺበልዓ፡ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ኪሰትያ እየን
20. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ።
21. ንዂለን እተን ዝሐመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጒጒኩም ፋሕ እተብልወን፡ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፡ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፡
22. ስለዚ ኣነ ነባጊዔይ፡ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፡ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ።
23. ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየን፡ ጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ።
24. ኣነ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ኪኸውን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ።
25. ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፡ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሀዲኤን ኪነብራ፡ ኣብ ዱርውን ኪድቅሳ እየን።
26. ኣነ ኸኣ ንእኤንን ነቲ ኣብ ዙርያ ዂርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብጊዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ኪኸውን እዩ።
27. ኦም መሮር ፍሪኡ ኼፍሪ እዩ፡ ምድሪውን ብቚላ ኽትህብ እያ፡ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
28. ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይኪዀኑን እዮም፡ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይኪበልዕዎምን እዮም። ኤረ ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም፡ ዜፍርሆምውን የልቦን።
29. ንንእእዳ ዚዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይኪጠፍኡን፡ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይኪጾሩን እዮም።
30. ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ፡ እቶም ቤት እስራኤልውን ህዝበይ ከም ዝዀኑ ኺፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
31. ኣቱም ኣባጊዔይ፡ ኣባጊዕ መውፈረይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (34/48)