Ezekiel (33/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ ተዛረቦም በሎምውን፡ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካብታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ኪዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፡
3. ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ኪመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፡ መለኸት እሻተ ነፍሔ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፡
4. ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፡ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ።
5. ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ኪኸውን እዩ። እንተ ዚጥንቀቕሲ፡ ንነፍሱ መድሐና ነይሩ።
6. እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሔ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፡ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፡ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ።
7. እምበኣርሲ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቚመካ እየ፡ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም።
8. ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ኣታ ረሲእ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንስኻ ኸኣ ነሪ ረሲእ፡ ካብ መገዱ ኺምለስ ኢልካ ኺጥንቀቕ፡ እንተ ዘይተዛረብካዮ፡ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ።
9. ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።
10. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ፡ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፡ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል ኣሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና ኢልኩም ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም።
11. ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ ከ እትሞቱ ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ ተመለሱ፡ በሎም።
12. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፡ ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዚእብሰላ መዓልቲ ኣይኬድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፡ በታ ኻብ ረሲእነት ዚምለሰላ መዓልቲ ኣይኬውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዚእብሰላ መዓልቲ በቲ ጽድቁ ብህይወት ኣይኪነብርን እዩ።
13. ነቲ ጻድቕ፡ ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ብጽድቁ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፡ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኺመውት እዩ እምበር፡ እቲ ዂሉ ጽድቁ ኣይኪዝከረሉን እዩ።
14. ነቲ ረሲእ ድማ፡ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፡
15. ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፡ ዝዘመቶ እንተ ኸሐሰ፡ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ኪነብር፡ ኣይኪመውትን ከኣ እዩ።
16. እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዂሉ ሓጢኣቱ ኣይኪዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፡ ርግጽ ብህይወት ኪነብር እዩ።
17. ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ይሉ ኣለዉ። ግናኸ ዘይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ።
18. ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ፡ ብሰራ ኺመውት እዩ።
19. ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ሳላኤን ብህይወት ኪነብር እዩ።
20. ንስኻትኩምሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ።
21. ኰነ ድማ፡ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልታ፡ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናባይ መጸ እሞ፡ እታ ኸተማስ ተትሒዛ፡ በለኒ።
22. እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፡ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረ፡ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዚመጸኒ ኸኣ፡ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፡ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን።
23. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
24. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፡ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፡ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፡ ይብሉ ኣለዉ።
25. ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣሎኹም፡ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቊሊሕ ይብላ ኣለዋ፡ ደም ትኽዕዉ ኣሎኹም፡ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም
26. ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑ፡ ጽያፍ ትገብሩ ኣሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ፡ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያእይ ክትወርስዋ ኢኹም
27. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዚነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ኪኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ ብዓትታትን ዚነብሩ ድማ ብፌራ ኺሞቱ እዮም።
28. ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ኪጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዚሐልፈሉ ዜብሉ ዀይኑ ኺባድም እዩ።
29. ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ምስ ገበርክዋ፡ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
30. ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረኡ ኣለዉ፡ ንሓድሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዚወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፡ ይባሃሀሉ ኣለዉ።
31. ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዚኸይድ።
32. እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዚኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም።
33. ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኺፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (33/48)