Ezekiel (32/48)  

1. ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተ ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድጒዓ መልቀስ ደጒዓሉ፡ በሎውን፡ ንስኻ ኣብ ማእከል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፡ ኣብ ባሕርታት ከኣ ከም ገበል ትመስል ነበርካ፡ ኣብ ርባታትካ ጨንደላሕ በልካ፡ በእጋርካ ማያት ኣናወጽካ፡ ነቲ መሳኑ ድማ ዘረግካዮ።
3. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብላ ሎ፡ ብእኩባት ብዙሓት ህዝብታት ገይረ ኣነ መርበበይ ክዝርግሓልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ኪስሕቡኻ እዮም።
4. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጻሕ ከብለካ፡ ኣብ መሮር ክድርብየካ፡ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ፡ ኣራዊት ኲላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ።
5. ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ከንብሮ፡ ንሽንጭሮታት ከኣ በቲ ኣስከሬንካ ኽመልኦ እየ።
6. ነታ እትምሕሰላ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳኦ ኣኽራን ብደምካ ኽሰትያ እየ፡ እቲ ርባታት ከኣ ብኣኻ ኺመልእ እዩ።
7. ከጥፍኣካ ኸሎኹ፡ ንሰማያት ከጐልብቦ፡ ንኸዋኽብቱ ኸኣ ከጸልምቶም፡ ንጸሓይ ብደበና ክኽውላ እየ፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ።
8. ንዂሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰርኻ ኸጸልምቶ፡ ኣብ ሃገርካውን ጸልማት ክዝርግሕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9. ወረ ጥፍኣትካ ናብ ህዝብታት፡ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ ኣብጻሕኩ፡ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከሕዝን እየ።
10. ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ማሕማሕ ከብሎ ኸሎኹ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ብኣኻ ኸስክሖም እየ፡ ነገስታቶም ድማ ኣዝዮም ኪርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኲሉ ጊዜ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ኪብል እዩ።
11. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ኪለዐለካ እዩ።
12. ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኲላቶም ካብ ህዝብታት ዚጭክኑ እዮም። ንሓበን ግብጺ ኼፍርስዋ እዮም፡ ኲሉ እቲ ብዙህ ህዝቡ ኸኣ ኪጠፍእ እዩ።
13. ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዂሎም እንስሳኡ ኸጥፍእ እየ። ድሕርዚ እግሪ ሰብ ኣይኪዘርጎን ሸዀና እንስሳውን ኣይኪዘርጎን እዩ።
14. ሽዑ ንማያቶም ከጽርዮ እየ፡ ንርባታቶም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. ነታ ሃገር ግብጺ በረኻ ምስ ገበርክዋ፡ እቲ ነታ ሃገር መሊእዋ ዝነበረ ምስ ባደመ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዘለዉ ዂላቶም ምስ ወቓዕክዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16. እቲ ዚድጓዕ ድጒዓ መልቀስ እዚ እዩ። ኣዋልድ ህዝብታት ኬልቅሳኦ፡ ብዛዕባ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝባን ኬልቅሳላ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
18. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኣልቅሰሉ፡ ንእኣን ነተን ኣዋልድ ክብራት ህዝብታትን ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኣውርደን።
19. ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጺ ውረዲ፡ ምስቶም ዘይግዙራት ከኣ ደቅሲ።
20. ኣብ ማእከል እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኺወድቁ እዮም። እቲ ሰይፊ ተዋህቡ ኣሎ። ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጓትትዋ።
21. ካብቶም ጀጋኑስ እቶም ኣውራታት ሓያላት ካብ ውሽጢ ሲኦል ንእኡን ንደገፍቱን ከምዚ ኢሎም ኪዛረብዎ እዮም፡ እቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም፡ ኣብኡ በጥ ኢሎም ኣለዉ።
22. ኣብኡ ኣሶርን ኲሉ ህዝባን ኣለዉ፡ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኲላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ።
23. መቓብሮም ኣብ መዓሙቚ ጒድጓድ፡ ህዝባ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ። እቶም ኣብ ሃገር ህያዋን ዜስክሑ ዝነበሩ ዂላቶም ተቐቲሎም ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።
24. ኣብኡ ዔላምን ኲሉ ህዝባን ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኲላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ፡ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ዝነበሩ ዘይግዙራት ናብ መዓሙቚ ምድሪ ወረዱ፡ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ተሰከሙ።
25. ንእኣን ንዂሉ ህዝባን ኣብ ማእከል እቶም ቅቱላት ኣንጻፋሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ዜሰክሑ ነበሩ እሞ፡ ኲላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፡ ነውሮም ድማ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ተሰከሙ። ኣብ ማእከል ቅቱላት ተነብረ።
26. ኣብኡ መሴክን ቱባልን ምስ ኲሉ ህዝቦም ኣለዉ። ኣብ ዙርያኣ መቓብራ ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፡ ኲላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቕትሉ እዮም።
27. ንሳቶም ከኣ ምስቶም ካብቶም ዘይግዙራት ዝወደቑ ምስ ኣጽዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስያፎም ዘንበሩሎም ጀጋኑ፡ ምሳታቶም ኣይድቅሱን እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሕ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣበሳኦም ኣብ ልዕሊ ኣዕጽምቶም እዩ።
28. ንስኻ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት ክትሰባበር፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ክትድቅስ ኢኻ።
29. ኣብኡ ኤዶምን ነገስታትን ኲሎም መሳፍንታን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ተነብሩ። ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱን ዘይግዙራትን ደቂሶም ኣለዉ።
30. ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ዂላቶም መሳፍንቲ ሰሜንን ኲላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዜሰክሑ ኽነሶም ነዊሮም፡ ዘይግዙራቱ ኰይኖም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ይድቅሱ ኣለዉ፡ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ይጾሩ ኣለዉ።
31. ፈርኦን ኪርእዮም፡ ስለ ዂሉ ህዝቡ ኸኣ ኪጸናናዕ እዩ። ፈርኦንን ኲሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡
32. ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዚኸውን ከምጽእ እየ እሞ፡ ንፈርኦንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ኬብልዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (32/48)