Ezekiel (31/48)  

1. ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕ ህዝቡን፡ ብዕቤትካ ንመን ትመስል ብሎ።
3. እንሆ፡ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕ፡ ጽላሉ ዝዕሙር፡ ቊመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ።
4. ማያት መገቦ፡ መዓሙቚ ኣዕበዮ፡ ውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሐዘ፡ መሳኑኡ ድማ ናብ ኲሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ።
5. ስለዚ ቝመቱ ኻብ ኲለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፡ ሳላ እቲ ዜዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት፡ ጨናፍሩ በዝሔ፡ ዘፋፍሩ ነውሔ።
6. ኣብቲ ጨንፍሩ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኲሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፡ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኲሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ።
7. ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፡ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ።
8. ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ኪኽውሎ ኣይከኣለን፡ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸሎን፡ ጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዐራረዮን።
9. ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኲላተን ቀንኣሉ።
10. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብቚመት ክብ ስለ ዝበልካ። ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፡ ብምኽንያት ቊመቱ ልቡ ስለ እተዐበየ፡
11. ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፡ ከም ድሌቱ ኺገብሮስ፡ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ።
12. እቶም ጓኖት፡ ናይ ህዝብታት ጨካናት፡ ቈረጽዎን ደርበይዎን። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ርባርባን ወደቐ፡ ጨንገፉ ኣብ ኲሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡ፡ ሐደግዎውን።
13. ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጒንዲ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፡ ኲሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ።
14. እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቚመተን ከይዕበያን፡ ጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፡ ኲላቶምሲ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዓመቚ ምድሪ፡ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፡ እተን ማያት ዚሰተያ ዘበላ ዂለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፡ እዚ ዀነ።
15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዚቚዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቚ ኣጐልበብኩ፡ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፡ ዓበይቲ ማያት ተዐግተ፡ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጻለምክዎ፡ ብሰሩ ዂለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና።
16. ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፡ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኲላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሔሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድን፡ ማይ ዚሰትያ ዝነበራ ዘበላ ዂለን፡ ኣብቲ መዓሙቚ ምድሪ ተጸናንዓ።
17. ንሳቶም ድማ፡ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።
18. እምብኣረይ፡ ብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል ከምኡ ኸኣ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፡ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦንን ኲሎም ህዝብን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (31/48)