Ezekiel (29/48)  

1. ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዂላ ግብጽን ከኣ ተነበ፡
3. ተዛረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስኻ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፡ እትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዐልኩኻ።
4. ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር፡ ንዓሳታት ርባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፡ ምስ ኲሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቢቑ ዝለኦ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ።
5. ንኣኻን ንዂሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኻ ኽድርብየካ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ፡ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፡ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ።
6. እቶም ኣብ ግብጺ ዚነብሩ ዂሎም ንቤት እስራኤል ምርኲስ ወምብቆ ዀይኖምዎም እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
7. ብኢዶም እንተ ሐዙኻ፡ ተሰበርካ፡ ንዂሉ መንኲቦም ከኣ ወጋእካ፡ እንተ ተጸግዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም።
8. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽአልካ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ከጽንቶም እየ።
9. እቲ ርባ ናተይ ኣዩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።
10. ስለዚ እኔኹ፡ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፡ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳኦ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ።
11. እግሪ ሰብ ብእኣ ኣይኪሐልፍን፡ እግሪ እንስሳ ብእኣ ኣይኪሐልፍን እዩ፡ ነርብዓ ዓመትውን ዚነብራ የብላን።
12. ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታታ ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ኸተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ኪዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኲሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ።
13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ፡
14. ንምርኮ ግብጺ ኽመልሶም፡ ናብታ እተወልዱላ። ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ኪኰኑ እዮም።
15. ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፡ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስ፡ ከውሕዶም እየ።
16. ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ኣይኪእመኑን እዮም፡ ናባታቶም ቊሊሕ እንተ በሉ ግና፡ ኣበሳኦም ከዘክርዎም እዮም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17. ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተይ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
18. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን፡ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዐሮም። ርእሲ ዘበለ ነዂዑ፡ መንኲብ ዘበል ተመሊጡ፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ኪሕዝ ኢሉ ዝጸዐሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን።
19. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኺወስድ፡ ዚዝረፍ ኪዝርፍ፡ ዚዝመት ከኣ ኪዘምት እዩ፡ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ኪኸውን እዩ።
20. ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፡ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሀብክዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21. በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቊል፡ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (29/48)