Ezekiel (27/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ መለቀስ ኣልቅሰላ፡
3. ንጢሮስ በላ፡ ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፡ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለው ህዝብታት ከኣ እትነግዲ፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ባዕልኺ፡ ብመልክዕ ፍጽምቲ ኣነ እየ፡ በልኪ።
4. ወሰንኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፡ እቶም ሃነጽትኺ ነቲ መልክዕኪ ፈጸምዎ።
5. ንጐቦታትኪ ብጽሕዲ ሰኒር ሰርሕዎ፡ ደቐል መራኽብ ኪገብሩልኪ ኻብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ።
6. መቕዘፊታትኪ ኻብ ኣውሒ ባሳን ገበሩ፡ ኰፍ መበሊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሰሊሞም፡ በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመጸ ኣእዋም ገበሩ።
7. እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዚዀነኪ ጋንጽላኺ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ቀጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብጺ ነበረ። ካብ ደሴታት ኤሊወ ሰማያዊ ሃርን ጁዂን መጋረጃኺ ነበረ።
8. ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ዚቐዝፉልክስ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ጠቢባንኪ መራሕቲ መራኽብኪ ዀኑ።
9. እቶም ሽማግሌታት ጌባሌን እቶም ጠቢባናን ነቲ እተሰብረ ኼጣጥኡስ ኣብ ማእከልኪ ነበሩ። ኲላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን፡ ንግዶም ኪለዋውጡኺ፡ ኣባኺ ነበሩ።
10. ፋርስን ሉድን ፋጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ። ዋላቱን ቊራዕ ርእስን ሰቐሉልኪ፡ ንሳቶም ጌጽ ሀቡኺ።
11. ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቐጽርኺ፡ ሰብ ገማድያ ኸኣ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ፡ ዋላቱኦም ኣብ ወሰነወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፡ ንመልክዕኪ ፈጸምዎ።
12. ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፡ ብብሩርን ሓጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።
13. ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ነጋዶኺ ነበሩ፡ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምጽኡ።
14. ካብ ቤት ቶጋርማ በፍራስን በፍራስ ውግእን በባቕልን ገይሮም ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።
15. ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፡ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነግዶም ኣመሃላለፉ፡ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከኣ ገጽ በረኸት ኣምጽኡልኪ።
16. ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፡ ብኽቡር ዕንቊን ብጁዂን ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባን ብዘዓጐልን ብሮቢኖስን ገይሮም፡ ለውጢ ነግድኺ ሀቡኺ።
17. ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፡ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ።
18. ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝዀነ ሃብትን ብነቢት ካብ ሄልቦንን ብጾምርን መናግድኺ ነበረት።
19. ዌዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕጋዳኺ ብስራሕ ሓጺንን ሽቱን ቀረፋን ኣዐመሩ።
20. ዴዳን ብኽቡር መረወታት ምሳኺ ነግዳ ነበረት።
21. ዓረብን ኲላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ። ምሳኺ ኺነግዱስ ገነሽልን ደዓውልን ኣጣልን ኣምጽኡ።
22. እቶም ነጋዶ ሳባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ። ብብሉጽ ቀመምን ብኽቡር ኣእማንን ዘበለን ብወርቅን ተላዋወጡኺ።
23. ካራንን ካኔን ኤድንን፡ ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ።
24. ብብሉጽ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፡ ብኦም ሊባኖስ እተገብረን በግማድ እተኣስረን፡ ክቡር ዓለባ ዝመልኤ ሳጻውን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ።
25. መራኽብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ። መላእኪ እሞ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኣዚኺ ኸበርኪ።
26. እቶም ዚቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፡ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ።
27. ሃብትኽን መነጋገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን፡ መራሕቲ መራኽብክን፡ መጣጣእቲ ስቡርክን፡ ነጋዶኽን ኣባኺ ዘለዉ ዂሎም ጭፍራ ውግእክን፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዂሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኺወድቁ እዮም።
28. ካብ ኣውያት ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።
29. ኲላቶም ብመቕዘፍ ዚቐዝፉን ባሕረኛታትን፡ ኲላቶም መራሕቲ መራኽብን ካብ መራኽቦም ኪወርዱ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኪቘሙ እዮም።
30. ብዛዕባኺ ድምጾም ኬስምዑ፡ ኣምሪሮም ድማ ኪበኽዩልኪ እዮም። ኣብ ርእሶም ሓመድ ኪንስንሱ፡ ኣብ ሓመዂስቲውን ጠንቀላዕላዕ ኪብሉ እዮም።
31. ርእሶም ኪላጽዩልኪ፡ ከሊ ኺዕጠቑልኪ፡ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ኪበኽዩልኪ እዮም።
32. እናሕዘንዘኑ ብቚዝማ፡ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ትም ዘበልዋ፡ ከም ጢሮስ መን ነበረት ኢሎም ኪቚዝሙልኪ እዮም።
33. ኣቓሑ ነግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም። በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ነግድኽን ንነገስታት ምድሪ ኣሀብተምክዮም።
34. በታ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብቲ ዓሚቚ ማያት እተሰበርክላ ጊዜ፡ ነግድኽን ኲሉ ህዝብኽን ኣብ ማእከልኪ ወደቐ።
35. እቶም ኣብ ደሴታት ዚነብሩ ዂሎም ብኣኺ ኺስክሑ፡ ነገስታቶም ከኣ ኪርዕዱ እዮም፡ ገጾምውን ኪኽፉእ እዩ።
36. እቶም ነጋዶ ህዝብታት ኪፋጽዩልኪ እዮም። መሰክሒ ዀንኪ፡ ንዘለኣለም ኣይክትህልውን ኢኺ።

  Ezekiel (27/48)