Ezekiel (26/48)  

1. ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኣሰይ፡ ኣሰይ፡ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፡ ናባይ ተመሊሳ፡ ንሳ ባዲማ እያ፡ ኣነ ኽመልእ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡
3. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ተሀንዲደኪ እኔኹ፡ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዜልዕሎ፡ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ።
4. ንቐጽርታት ጢሮስ ኬጥፍእዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ። ሓመዳ ኽጽርገላ፡ ልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ።
5. ንሳ ኣብ ማእከላ ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንህዝብታት ባዝባዝ ክትከውን እያ።
6. እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ኪቕተላ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።
7. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር፡ ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፡ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብነ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ።
8. ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ኪቐትለን፡ ዕርዲ ኺዐርደልኪ፡ ሓመድ ኪዂምረልኪ፡ ዋልታታት ኬልዕለልኪ እዩ።
9. ነቲ መፍረስኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኺተኽሎ እዩ፡ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ።
10. ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፡ ደሮናኦም ኬጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዚኣትዉ፡ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኺኣቱ ኸሎ፡ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታቱን መንኰራዂሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ኪብል እዩ።
11. ንዂሉ ኣደባባያትኪ ብሽዀና ኣፍራሱ ኺረግጾ፡ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም፡ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ናብ ምድሪ ጻሕ ኪብል እዩ።
12. ንመዛግብትኺ ኺብዝብዙ፡ ነቕሑ ንግድኪ ኺዘምቱ፡ ንመናድቕኪ ኼፍርሱ፡ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኺፍንጥሑ፡ ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም።
13. ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይኪስማዕን እዩ።
14. ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፡ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብህማም ምውዳቕኪ፡ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ኪቕንዘዉ ከለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ኪቕተሉ ኸለዉ፡ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይኪሕዘንን እዩ
16. ሽዑ ዂላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ኻብ ዝፋውንቶም ኪወርዱ፡ ባርኖሶም ኪቕንጥጡ፡ ጥሉፍ ኣልባሶም ኪድርብዩ፡ ስምባድ ኪኽደኑ፡ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ኲሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ኪብሉ፡ ብኣኺ ኺስክሑ እዮም።
17. ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።
18. ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።
19. እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዚነብረን ዜብለን ከተማታት ገይረ፡ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፡ መዓሙቚ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፡ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፡
20. ሽዑ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወርዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዚነብር ከይህሉስ፡ ብስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብር እየ።
21. መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፡ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኴ እንተ ደለየኪ፡ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

  Ezekiel (26/48)