Ezekiel (25/48)  

1. ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2. ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።
3. ንደቂ ዓሞን ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም፡ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፡ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፡ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፡ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡
4. ስለዚ እንሆ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፡ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ። ኣብ ማእከልካውን ሰፈሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑ፡ ጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።
5. ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፡ ንደቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
6. እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፡ ብኵሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ፡
7. ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ እሞ፡ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፡ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፡ ካብ ሃገራት ከጥርሰካ፡ ከጥፍኣካውን እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሞኣብን ሰዒርን፡ እንሆ፡ ቤት ይሁዳስ ከም ኲላቶም ህዝብታት እዮም፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡
9. ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዂሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታ፡ ክቡራት እታ ሃገር፡ እኒ ቤትየሺሞት፡ በዓልመዖን፡ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
10. እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፡ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዚመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።
11. ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
12. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፡ በዚ ዝፈደዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፡
13. ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮ እየ፡ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
14. ኣነ ኸኣ፡ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፡ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኲራይን ነድረይን ኪገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈድዩ፡ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ኬጥፍኡ ኢሎምሲ፡ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፡
16. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፡ ንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፡ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
17. ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።

  Ezekiel (25/48)